bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 15
Job 15
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ ኸኣ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡
2
ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝዀነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ? ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ?
3
ብፍረ ዜብሉ፡ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፡ ንነገሩ ይከላኸለሉ እዩ?
4
ንስኻ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከንቱ ትገብሮ፡ ንጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቃልሎ ኣሎኻ፡
5
ኣበሳኻ ንኣፍካ ይምህሮ፡ ንዘረባ ጐረሓት ትሐሪ ኣሎኻ።
6
ኣፍካ እያ እትዂንነካ፡ ኣይኣነን፡ ገዛእ ከናፍርካውን እየን ንጒድኣትካ ዚምስክራ።
7
እቲ ቐዳማይ ሰብ እተወልደዶ ንስኻ ኢኻ? ቅድሚ ዂርባታትከ ተጠኒስካ ዲኻ?
8
ነቲ ስውር ምኽሪ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኔርካ? ጥበብከ ንርእስኻዶ ሒዝካያ ኣሎኻ?
9
ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ? ንሕና ዘይተረዳእናዮስ እንታይ ተስተብህል?
10
ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዚዐብዩ ሸያባትን ሽማግሌታትን ኣብ ማእከልና ኣለው።
11
ነቲ ምጽንናዕ ኣምላኽን ነቲ ብለውሃት ንኣኻ እተዘርበ ቓላትንዶ ተናእሶ ኣሎኻ?
12
ልብኻ ናበይ ኣቢሉ ይስሕበካ ኣሎ? ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፋእ ኣጠማምታ ይጥምታ?
13
ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናቐዳሕካ፡ ስለምንታይ መንፈስካ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ተልዕሎ?
14
ሰብከ እንታይ እዩ ንጹህ ዚኸውን፡ ውሉድ ሰበይትስ ጻድቕ ዚኸውን መን እዩ?
15
እንሆ፡ ነቶም ቅዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምን፡ ሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን።
16
እቲ ንኣበሳ ኸም ማይ ዚሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ ክንደይ ኣዝዩ ፍንፋንን ብልሽውን እዩ።
17
እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡ ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሐብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ።
18
እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡ ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሐብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ።
19
እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡ ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡ ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡ ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሐብኡልና፡ እዚ ዝርኤኽዎስ ከዘንትወልካ እየ።
20
ርሲእ ምሉእ ዕድሜኡ፡ ጨካንውን ብዂሉ ቚጽሪ ዘመኑ ይጭነቕ።
21
ዜፍርህ ደሃይ ኣብ ኣእዛኑ ዀይኑ የድሂ፡ ደሓን ኣሎኹ ኺብል ከሎ መጥፍኢ ይመጾ።
22
ሰይፊ ይጸናተዎ ኣሎ እሞ፡ ካብ ጸልማት ኬምልጥ ተስፋ የብሉን።
23
ኣበይከ እሞ ይርከብ? ኢሉ ሃለው እናበለ እንጌራ ይደሊ፡ መዓልቲ ጸልማት ኣብ ጥቓ ኢዱ ኸም ዘሎ ይፈልጥ።
24
ጸበባን ጭንቀትን የሸብርዎ፡ ከም ስሉፍ ንጉስ ኰይኖም ይወድቅዎ።
25
ኪጻረሮ ኢሉ ኣእዳው ናብ ኣምላኽ ይዝርግሕ፡ ነቲ ዂሉ ዚኽእልውን ይተሃላለኾ፡
26
ብተሪር ክሳዱ፡ ብረጒድ ዋልታኡ ይገጥመሉ።
27
ገጹ ኣስብሔ፡ ሕቜኡ ኣህጠረ።
28
ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፡ ኣብ ሰብ ዘይነብረለን፡ ንምዕናው እተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩ እሞ፡
29
ንሱ ኣይጽጉን፡ ሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፡ ገንዘቡውን ሱሩ ናብ ምድሪ ኣይሰዶን እዩ።
30
ካብ ጸልማት ኣየምልጥን፡ ጨናፍሩ ብሃልሃልታ ይሐርር፡ ብስትንፋስ ኣፉ ይሐልፍ።
31
ዓስቡ ኸንቱነት እዩ ዚኸውን እሞ፡ ስሒቱ ብኸንቱነት ኣይተኣመን።
32
መዓልቱ ኸይበጽሔ ጊዜኡ ይፍጸም፡ ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን።
33
ከም ተኽሊ ወይኑ ፍሬኡ ብጒዕ የውድቕ፡ ከም ኦም ዘይቲ ዕንባባኡ ይረግፍ።
34
እታ ማሕበር ረሲኣን መኻን እያ እሞ፡ ድንኳናት እቶም መማለጃ ዚቕበሉ ሓዊ ይበልዔን።
35
ጻዕሪ ጠኒሶም፡ ጥፍኣት ይወልዱ፡ ከርሶምውን ተንኰል እዩ ዜዳሉ።
← Chapter 14
Chapter 16 →