bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 12
Job 12
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕርዚ እዮብ መሊሱ በለ፡
2
ብሓቂ እቶም ኣውራታት ሰባት ንስኻትኩም ኢኹም፡ ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ።
3
ግናኸ ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣሎኒ፡ ካባኻትኩም ኣይሰንፍን፡ ነዚ ኸምዚ ዘይፈልጥ መን እዩ?
4
ኣነ ንጐረቤተይ መላገጺ ዝዀንኩ ሰብ እየ፡ ኣነ ናብ ኣምላኽ ተማህሊለስ ምላሽ ዝረኸብኩ፡ ጻድቕን ፍጹምን ሰብሲ መላገጺ ዀይኑ።
5
ኣብ ሓሳብ እቲ ደሓን ዘሎ ሰብ ንመከራ ምንዓቕ ኣሎ። እዚ ነቶም እግሮም ሰንከልከል ዚብል ድልዊ እዩ።
6
ድንኳን እቶም በዝበዝቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፡ እቶም ንኣምላኽ ዚተሃላለኽዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኢዶም ኣዕዚዙ ዚህቦም ብህድኣት ኣለው።
7
ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን።
8
ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም።
9
በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ?
10
ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡
11
ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ?
12
ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።
13
ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ ኣሎ፡ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን።
14
እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዐጽዎ፡ ዚኸፍቶ ድማ የልቦን፡
15
እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍ፡ ከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ።
16
ሃይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡ እቲ ዚስሕትን ዜስሕትን ናቱ እዮም።
17
ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶም፡ ንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም።
18
ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡ ኣብ ሓቛቚኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም።
19
ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፡ ንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም።
20
ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶ፡ ንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም።
21
ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎም፡ ንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም።
22
ነቲ መዓሙቚ ካብ ጸልማት ይቐልዖ፡ ንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ።
23
ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን።
24
ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡ መገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም።
25
ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም።
← Chapter 11
Chapter 13 →