bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 62
Isaiah 62
Amharic Tigrinya 2011
1
ጽድቂ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡ ምድሓና ኸኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል፡ ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡ ስለ የሩሳሌም ድማ ኣይክዐርፍን እየ።
2
ኣህዛብ ንጽድቅኺ፡ ኲሎም ነገስታት ከኣ ንኽብርኺ ኺርእዩ እዮም፡ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውጽኦ ሓድሽ ስም ክትስመዪ ኢኺ።
3
ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።
4
ድሕርዚ ሕድግቲ ኣይክትበሀልን ኢኺ፡ ሃገርኪ ኸኣ ጸምጸም በረኻ ኣይክትበሀልን እያ። እግዚኣብሄር ባህ ኢሉልኪ፡ ሃገርኪ ድማ ሔምኣ ረኺባ እያ እሞ፡ ንስኽስ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ፡ ክትስመዪ ኢኺ፡ ሃገርኪውን ሔማ ኽትበሀል እያ።
5
ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዚምርዖ፡ ከምኡ ደቅኺ ኺምርዐውኺ እዮም እሞ፡ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዚሕጐስ፡ ከምኡ ኣምላኽኪ ብኣኺ ኺሕጐስ እዩ።
6
ዎ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቚመ ኣሎኹ፡ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይኪብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ።
7
ንየሩሳሌም ክሳዕ ዜጽንዓ፡ ኣብ ምድሪውን መመስገኒ ኽሳዕ ዚገብራ ኣይተዕርፍዎ።
8
እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን ብሓያል ቅልጽሙን መሐለ፡ እቶም ዝኣከብዎ ኺበልዕዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኬመስግንዎ እዮም፡ እቶም ዘእተውዎ ድማ ኣብ ኣጸድ መቕደሰይ ኰይኖም ኪሰትይዎ እዮም እምበር፡ ብሓቂ፡ ድሕርዚ እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ኢለ ኣይክህቦምን እየ፡ ነቲ ዝጸዐርክሉ ወይንኺ ኸኣ ጓኖት ኣይኪሰትይዎን እዮም።
9
እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን ብሓያል ቅልጽሙን መሐለ፡ እቶም ዝኣከብዎ ኺበልዕዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኬመስግንዎ እዮም፡ እቶም ዘእተውዎ ድማ ኣብ ኣጸድ መቕደሰይ ኰይኖም ኪሰትይዎ እዮም እምበር፡ ብሓቂ፡ ድሕርዚ እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ኪዀኖም ኢለ ኣይክህቦምን እየ፡ ነቲ ዝጸዐርክሉ ወይንኺ ኸኣ ጓኖት ኣይኪሰትይዎን እዮም።
10
ሕለፋ፡ ብደጌታት ሕለፋ፡ መገዲ ነቲ ህዝቢ ኣዳልዉሉ፡ ኣጣጥሑ፡ መገዲ ጽርግያ ኣጣጥሑ፡ ኣእማን ጽረጉ፡ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።
11
እንሆ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣወጀ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ፡ ምድሓንኪ ይመጽእ ኣሎ፡ እንሆ፡ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፡ ዓስቡ ኸኣ ቀቅድሚኡ እዩ፡ በልዋ።
12
ንሳቶም ድማ፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ኢሎም ኪሰምይዎም እዮም። ንስኺውን እትበሀግ፡ ዘይትሕደግ ከተማ ኽትበሀሊ ኢኺ።
← Chapter 61
Chapter 63 →