bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 61
Isaiah 61
Amharic Tigrinya 2011
1
ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ።
2
ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡
3
ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
4
ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም።
5
ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ፡ መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም።
6
ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም።
7
ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም።
8
ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ።
9
ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ፡ ትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም።
10
ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ ኣሎ።
11
ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ።
← Chapter 60
Chapter 62 →