bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 57
Isaiah 57
Amharic Tigrinya 2011
1
ጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን።
2
ናብ ሰላም ይኣቱ፡ እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ኣብ መደቀሲኦም ይዐርፉ።
3
ግናኸ ኣቱም ደቂ ጠንቋሊት፡ ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን፡ ናብዚ ቕረቡ።
4
ንመን ኢኹም እተባጭውሉ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም ልሳንኩም እተውጽኡሉ ኣቱም ንጣኦታት ኣብ ትሕቲ ዝለምዔ ዘበለ ዂሉ ኦም እትብህጉ፡ ንደቂ ድማ ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን እትሐርድዎም፡ ደቂ ኣበሳን ዘርኢ ሓሶትንዶ ኣይኰንኩምን
5
ንመን ኢኹም እተባጭውሉ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም ልሳንኩም እተውጽኡሉ ኣቱም ንጣኦታት ኣብ ትሕቲ ዝለምዔ ዘበለ ዂሉ ኦም እትብህጉ፡ ንደቂ ድማ ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን እትሐርድዎም፡ ደቂ ኣበሳን ዘርኢ ሓሶትንዶ ኣይኰንኩምን
6
እቲ ልሙጽ ኣእማን ርባ እዩ ግዴኺ፡ ንሱ፡ ንሱ እዩ ብጽሒትኪ፡ ንእኡውን መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሉ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረብክሉ፡ ኣነዶ በዚ እሕጐስ እየ
7
ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ ከረን መደቀሲኺ ኣዳሎኺ፡ ኣብኡ ድማ መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውኢ ደየብኪ።
8
ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፡ ንኣይ ሐደግኪ፡ ንኻልእ ተቐንጢጥኪ ደየብክሉ፡ንመደቀሲኺውን ኣርሐብክዮ፡ ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቶኺ፡ ኣብቲ ዝርኤኽዮ ቦታ ዂሉ መደቀሲኦም ፈቶኺ።
9
ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፡ ቅዲትኪ ኸኣ ኣብዛሕኪ፡ ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፡ ክሳዕ ሲኦል ተዋረድኪ።
10
ብምርሓቕ መገዲ ደኸምኪ፡ ግናኸ፡ ተስፋ ቐቢጸስ፡ ኣይበልክን። መሊስኪውን ኣብ ኢድኪ ሓይሊ ረኸብኪ፡ ስለዚ ኣይተሐለልክን።
11
እትጠልምን ዘይትዝክርንን፡ ኣብ ልብኺ ዘይትሐስብዮንሲ፡ መን እዩ ዘሰምበደክን ዘፍርሃክን ኣነዶ ነዊሕ ጊዜ ስቕ ኣይበልኩን እየ ስለዚ ኸኣ ኣይፈራህክንን።
12
እምበኣር ኣነስ ጽድቅኽን ግብርኽን ክነግር እየ፡ ገለ እኳ ኣይኪጠቕመክን እዩ።
13
ምስ እተእውዪ፡ እቶም እኩባትኪ የድሕኑኺ፡ ግናኸ ንፋስ ንዂላቶም ኪወስዶም፡ ጸለውታ ንፋስ ከኣ ኪጸርጎም እዩ። እቲ ናባይ ዚጽጋዕ ግና ነቲ ሃገር ኪግንዘቦ ነቲ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኪወርሶ እዩ።
14
ኣዐርዩ፡ ኣዐርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ህዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑ፡ ኪበሀል እዩ።
15
ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ።
16
ንዘለኣለም ኣይክብኣስን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣይክቚጥዕን እየ። እንተ ዝፈጠርክወን ነፍሳትን መንፈስን ኣብ ቅድመይ ምተሐለላ።
17
ብሰሪ ኣበሳ ንፍገቱ እየ እተቘጣዕኩን ዝወቓዕክዎን፡ ተሐባእኩ፡ ተቘጣዕኩ ድማ፡ ንሱውን ዓልዩ ብመገዲ ልቡ ኸደ።
18
መገድታቱ ርኤኹ፡ ከሕውዮን ክመርሖን እየ፡ ንእኡን ንጒህያቱን ከኣ ምጽንናዔይ ክመልሰሎም እየ።
19
ኣነ ፍረ ኸናፍር እየ፡ ሰላም፡ ሰላም ነቲ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘሎ ይኹን፡ ኣነውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
20
እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዚናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ኪሀድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ።
21
እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ።
← Chapter 56
Chapter 58 →