bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 56
Isaiah 56
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምድሓነይ ኪመጽእ፡ ጽድቀይ ድማ ኪግለጽ ቀረባ እዩ እሞ፡ ፍርዲ ሐልው ጽድቂውን ግበሩ።
2
እቲ ነዚ ዚገብር ሰብ፡ ብእኡ ዚጸንዕ፡ ንሰንበት ከየርክስ ድማ ዚጥንቀቕ፡ እከይ ከይገብርውን ኢዱ ዚሕሉ ወዲ ሰብ ብጹእ እዩ።
3
እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዝገበረ መጻእተኛ፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ፡ ኣይበል። እቲ ስሉብ ድማ፡ እንሆ፡ ንቑጽ ኦም እየ፡ ኣይበል።
4
ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዚሕልው፡ ንኣይ ዜሐጒስ ዚሐርዩ፡ ኪዳነይ ድማ ዜጽንዑ ስሉባት፡
5
ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ስም ክህቦም እየ።
6
ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ፡ ባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑ፡ ኪዳነይውን ዜጽንዑ ዂላቶም፡
7
ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጒሶም እየ፡ ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ።
8
እቲ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለው እስራኤል ዚኣኻኽብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም እኩባቱ ካልኦትውን ክእክብ እየ፡ ይብል ኣሎ።
9
ኣቱም ኣራዊት መሮር ኲላትኩም፡ ኣቱም ኣራዊት ዱር ኲላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ።
10
ሐለውቱ ዕውራት እዮም፡ ኲላቶም ኣእምሮ የብሎምን፡ ኲላቶም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፡ ይሐልሙ፡ በጥ ይብሉ፡ ድቃስ ይፈትው ኣለው።
11
ህሩፋት ኣኽላባት ከቶ ዘይጸግቡ እዮም፡ እዚኣቶም ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕራይ ረብሓ ርእሱ ደለየ፡ ኲሎም ናብ መመገዶም ዘምበሉ።
12
ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፡ ብርቱዕ መስተ ሰቲና ንስከር፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ፡ ኤረ ኣዝዩ ዝበለጸ እኳ ደኣ ኪኸውን እዩ፡ ይብሉ።
← Chapter 55
Chapter 57 →