bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 32
Isaiah 32
Amharic Tigrinya 2011
1
እንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም።
2
ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጻግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።
3
ኣዒንቲ እቶም ረኣይቲ ኣይኪዖራን፡ ኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ኸኣ ጽን ኪብላ እየን።
4
ልቢ እቶም ዝንጉዓት ፍልጠት ኬስተውዕል፡ ልሳን ወትኣት ከኣ ትኽ ኣቢሉ ኣጽርዩ ኺዛረብ እዩ።
5
ሕሱምሲ ድሕሪ ደጊም ክቡር ተብሂሉ ኣይኪስመን፡ መጣፍኢ ኸኣ ጐይታ ኣይኪብሀልን እዩ።
6
ሕሱም ሰብሲ ረሲእነት ምእንቲ ኺገብር፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ኪዛረብ፡ ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኺሐድጋ ንጽሙእ ድማ መስተ ምእንቲ ኪኸልኦስ፡ ሕሰም ይዛረብ፡ ልቡ ኸኣ እከይ ይሰርሕ።
7
መሳርያ መጣፍኢ ተካል እዩ፡ ንሽጉራትን ነቲ ቕንዕና ዚዛረብ ድኻን ብቓል ሓሶት ምእንቲ ኼጥፍኦምሲ፡ እኩይ ሓሳብ ይጠላልፍ።
8
ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሐስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ።
9
ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድ፡ ናብ ዘረባይ ኣድህባ።
10
ምጒናእ ዘቢብ ጠፊኡ፡ ምእራይ ፍሬታት ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣንስቲ፡ ድሕሪ ዓመትን ቅሩብ መዓልታትን ክትስምብዳ ኢኽን።
11
ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተሸበራ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን፡ ራዕራዕ በላ፡ ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፡ ሓቛቚኽን ድማ ተዐጠቓ።
12
ስለዚ ጽቡቕ ሸዓብትን ስለቲ ፈረዪ ኣታኽልቲ ወይንን ኣፍ ልበን ኪወቕዓ እየን።
13
ኣብ ምድሪ ህዝበይ፡ እወ፡ ኣብታ ሕጒስቲ ኸተማ ዘሎ ዂሉ ኣባይቲ ደስታ፡ እሾዂን ተዀርባን ኪበቊል እዩ።
14
ኣዳራሽ ኪሕደግ እዩ፡ እታ ሰባታእላው ዜብሉ ኸተማ ኽትጽሙ እያ፡ ዕርድን ግምብን ከኣ ንሓዋሩ በዓትታታን ሓጐስ ኣእዱግ ከደንን መጓስዪ መጋርያታትን ኪኸውን እዩ እሞ፡
15
መንፈስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ዚከዐወና ከምዚ ኪኸኣን እዩ። ሽዑ ነቲ ምድሪ በዳ ኸም ፈራዪ ሽዕበት ኪኸውን፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ከም ዱር ኺሰፍር፡ ጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ።
16
ሽዑ ቕንዕና ኣብ ምድሪ በዳ ኺሰፍር፡ ጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ኪነብር እዩ።
17
ግብሪ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ።
18
ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።
19
ግናኸ ዱር ብበረድ ኪወድቕ፡ እታ ኸተማውን ኣዝያ ኽትዋረድ እያ።
20
ኣቱም ኣብ ጥቓ ዂሉ ማያት እትዘርኡን ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እትፍንውን፡ ብጹኣን ኢኹም።
← Chapter 31
Chapter 33 →