bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 31
Isaiah 31
Amharic Tigrinya 2011
1
እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡ እምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታት፡ ብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን።
2
ግናኸ ንሱ ድማ ጠቢብ እዩ፡ ንእከይ የምጽኦ፡ ንቓሉ ኸኣ ኣይልውጦን፡ ንምጽራር ቤት እቶም ገበርቲ እከይን፡ ንምጽራር ረዲኤት ዓመጸኛታትን ድማ ይትንስእ።
3
እምበኣርከ ግብጻውያንሲ ሰብ እዮም፡ ኣምላኽ ኣይኰኑን፡ ኣፍራሶም ከኣ ስጋ እዮም፡ መንፈስ ኣይኰኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ ምስ ዚዝርግሕ ከኣ፡ እቲ ረዳኢ ይዕንቀፍ፡ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ እሞ ኲላቶም ሐቢሮም ይጠፍኡ።
4
እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ከምቲ ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን ብዙሓት ጓሶት እኳ ተጸዋዊዖም እንተ መጽዎ ብግዳዩ ዚጓዝም፡ ብድምጾም ዘይስምብድን ብጭራሕምራሖም ዘይፈርህን፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ኲድዂዶኣን ምእንቲ ኺዋጋእ ኪወርድ እዩ።
5
ከምተን ዚነፍራ ኣዕዋፍ ገይሩ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንየሩሳሌም ኬዕቊባ እዩ፡ ኬዕቊባን ኬናግፋን ኪንሕፋን ኬድሕናን እዩ።
6
ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ናብቲ ኻብኡ ኣዚኹም ዝረሐቕኩም ተመለሱ።
7
በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝገበራኦም ጣኦታት ብሩርን ጣኦታት ወርቅን ነፍሲ ወከፎም ኪድርብይዎም እዮም እሞ፡
8
ሽዑ ኣሶር ብሰይፊ ኺወድቕ፡ ብናይ ሰብ ኣይኰነን፡ እቲ ናይ ሰብ ዘይኰነ ሰይፊ ኸኣ ኪውሕጦ እዩ። ካብ ሰይፊ ድማ ኪሀድም እዩ፡ ኣጒባዙውን ገባር ኪዀኑ እዮም።
9
ካብ ፍርሃት እተላዕለ እምባኡ ኺሐልፍ፡ መሳፍንቱውን ብሰንደቕ ዕላማ ኺፈርሁ እዮም፡ ይብል እቲ ሓው ኣብ ጽዮን፡ እቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዘለዎ እግዚኣብሄር።
← Chapter 30
Chapter 32 →