bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 18
Isaiah 18
Amharic Tigrinya 2011
1
ኣየ፡ ኣታ ኣብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ ዘሎኻ፡ ሃገር እቶም ጅጅ ዚብሉ ኣኽናፍ።
2
ኣታ በተን ኣብ ልዕሊ ማያት ዚሰፋ መርከብ ሰልሰላ ጌርካ፡ ብባሕሪ ልኡኻት እትልእኽ ሃገር፡ ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ናብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ዚኽፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ።
3
ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፡ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘሎኹም ኲላትኩምውን፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣኽራን ልዕል ምስ በለ፡ ተመልከቱ፡ መለኸት ምስ ዚንፋሕ፡ ጽን በሉ።
4
እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ከም ዳህሪ እቲ ዜንጸባርቕ ጸሓይ፡ ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ረስኒ ቐውዒ፡ ሀዲኤ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኰይነ ኽጥምት እየ።
5
ቅድሚ ቐውዒ፡ ጊዜ ምዕምባብ ምስ ሐለፈ፡ ዕምባባ ኸኣ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ ከደ፡ ንሓረግ ብኻራ ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ኪቘርጾ፡ ነቲ ጫሌዳ ሱር ድማ ኬርሕቖን ኪቘርጾን እዩ።
6
ኲላቶም ሐቢሮም ኣደዳ ኣሞራን ኣኽራንን ኣራዊት መሮርን ኪዀኑ እዮም፡ ኣሞራታት ከኣ ኣብኦም ኪሐግዩ፡ ኲላቶም ኣራዊት መሮር ድማ ኣብኦም ኪኸርሙ እዮም።
7
በቲ ጊዜ እቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብቲ ነዊሕ ዝቚመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ካብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሄ ህዝቢ፡ ካብቲ ዚኸፋፍልን ዚረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ፡ ናብታ ስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን ገጽ በረኸት ኪቕረብ እዩ።
← Chapter 17
Chapter 19 →