bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 17
Isaiah 17
Amharic Tigrinya 2011
1
ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍ፡ ዖና ዃና ኽትከውን እየ።
2
ከተማታት ኣሮኤር ተሐዲጉ፡ ብዘይ ፍርሃት ዚነብራሉ፡ መውፈር መጓሴታት ኪኸውን እዩ።
3
እምባ ኻብ ኤፍሬም፡ መንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆ፡ ትርፊ ሶርያውን ኪጠፍእ እዩ። ከም ክብሪ ደቂ እስራኤል ኪዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
4
በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ክብሪ ያእቆብ ኪውሕድ፡ ህጥራን ስጋኡውን ኪዐብር እዩ።
5
ከምቲ ዓጻዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ ዚጭምርሮ፡ ብቕልጽሙ ኸኣ ነቲ ወረን ዚዐጽዶ ኪኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ለሰ ረፋይም ንወረን ዚቕርምዎ ድማ ኪኸውን እዩ።
6
ግናኸ ከምቲ ኣውልዕ ምስ ተነዝነዘ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕላይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይስ ሰለስተ ፍረ፡ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከኣ ኣርባዕተ ወይስ ሓሙሽተ ኸም ዚተርፍ፡ ኣብኡ ሒደት ቀሪም ኪተርፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል።
7
በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ኪብል፡ ኣዒንቱ ኸኣ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኪርእያ እየን።
8
ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢ ግልጽ ኣይኪብልን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣስታርቴታት ወይስ ናብ ሓወልቲ ጸሓይ ኣይኪጥምትን እዩ።
9
በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽኑዓት ከተማታቱ፡ ከምቲ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እተሐድገ ቦታታት፡ ዱርን ርእሲ ኣኽራንን ኪዀና እየን፡ ኪባድማ ድማ እየን።
10
ንኣምላኽ ምድሓንኪ ስለ ዝረሳዕኪ፡ ንኸውሒ ሓይልኺውን ስለ ዘይዘከርኪ፡ ስለዚ ባህ ዜብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፡ ጋሻ ዝዀነ ሓረግ ወይኒውን ተፍልሲ ኣሎኺ።
11
በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ ትሐጽርዮ፡ ኣንጊህኪ ኸኣ ንዘርእኺ ተዐንብብዮ፡ ግናኸ ቀውዒ ብመዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን ይመልቚ።
12
ኣየ፡ ህማም ብዙሕ ህዝብታት፡ ከም ህማም ባሕሪ ይሀምም ኣሎ፡ ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው።
13
ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው፡ ግናኸ ንሱ ይገንሖም፡ ኣርሒቖም ከኣ ይሀድሙ። ከም ብቚቡቚ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ይብተኑ።
14
ኣጋ ምሸት እንሆ፡ ስምባድ ይመጽእ፡ ምድሪ ኸይወግሔ ኸኣ የለውን። ግደ እቶም ዝማረኹና፡ ብጽሒት እቶም ዝዘመቱና እዚ እዩ።
← Chapter 16
Chapter 18 →