bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Exodus 20
Exodus 20
Amharic Tigrinya 2011
1
እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ።
2
ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
3
ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።
4
ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር።
5
ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡
6
ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።
7
እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
8
መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር።
9
ሹድሹተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ኹሉ ግበር።
10
እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ።
11
እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ኹሉን ገይሩ እየ ኣሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻብ ቀደሳን።
12
ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
13
ኣይትቕተል።
14
ኣይትዘሙ።
15
ኣይትስረቕ።
16
ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።
17
ቤት ብጻይካ ኣይተትመነ። ሰበይቲ ብጻይካ፡ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ኹሉ ድማ ኣይትተምነ።
18
ኩሎም ህዝቢ ድማ ነጉድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ክተክኽን ረአዩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረአዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡ፡ ርሒቖም ድማ ደው በሉ።
19
ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ።
20
ሙሴ ኸኣ ንቶም ህዝቢ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኸውን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጻ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም።
21
እቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቁመ፡ ሙሴ ኸኣ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበ።
22
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረበኩም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም።
23
ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፡ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣምልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ።
24
መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩላ ኹሉ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ።
25
መስውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዮ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ።
26
ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ።
← Chapter 19
Chapter 21 →