bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Chronicles 20
1 Chronicles 20
Amharic Tigrinya 2011
1
ኰነ ድማ፡ ዓመት ምስ ሐለፈ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዚወጽሉ ጊዜ፡ ዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ዓሞን ኣጥፍኣ፡ መጺኡ ኸኣ ንራባ ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ዮኣብ ከኣ ንራባ ሰዐራ እሞ ኣፍረሳ። ዳዊት ድማ ነታ ዘውዲ ንጉሶም ካብ ልዕሊ ርእሱ ወሰዳ፡ ሚዛና ኸኣ ሓደ ታለንት ወርቂ ምዃኑ ረኸቦ፡ ክቡራት ኣዕናቚ ድማ ነበርዋ። ናብ ርእሲ ዳዊት ከኣ ተነብረት። ካብታ ኸተማ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኤ።
2
ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖም። ዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ። ዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
3
ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖም። ዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ። ዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
4
ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ተላዕለ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሺጳይ ቀተሎ። ንሳቶም ከኣ ተገዝኡ።
5
ከም ብሓድሽ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ፡ ኤልሓናን ወዲ ያዒር ከኣ ንላሕሚ ሓው ጐልያድ፡ እቲ ጋታዊ፡ ቀተሎ፡ ንሱ እቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ እዩ።
6
ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሹድሽተ፡ ማለት ዕስራን ኣርባዕተን ኣጻብዕ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ካብ ሬፋ እተወልደ እዩ።
7
ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓያ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ።
8
እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ። ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላውኡን ከኣ ወደቑ።
← Chapter 19
Chapter 21 →