bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
1 Chronicles 19
1 Chronicles 19
Amharic Tigrinya 2011
1
ድሕሪዚ ድማ ዀነ፡ ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ነገሰ።
2
ዳዊት ድማ፡ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ምሕረት ክገብረሉ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ኼጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላው ዳዊት ከኣ ንሓኑን ኬጸናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ዓሞን ኣተው።
3
እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ እዞም ገላውኡ ነዛ ሃገር ምእንቲ ኺምርምርዋን ኬጥፍእዋን ኪስልይዋን ደይዀኑን ናባኻ ዝመጹ፡ በልዎ።
4
ሽዑ ሓኑን ንገላው ዳዊት ወሲዱ ላጸዮም፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም።
5
ነቶም ሰባት ዝዀኖም ነገር ከኣ ገለ ሰባት ከይዶም ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ፡ እቶም ሰባት ብዙሕ ሐፊሮም ነበሩ እሞ፡ ዚቕበልዎም ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዚበቊል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩም ተመለሱ፡ በሎም።
6
ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ብሰሪ ርእሶም ከም እተጸልኡ፡ ምስ ረኣዩ፡ ሓኑንን ደቂ ዓሞንን ካብ ኣራምናሃራዪምን ካብ ኣራምማዓካን ካብ ጾባን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኪካረዩስ፡ ሽሕ ታለንት ብሩር ሰደዱ።
7
ሽዑ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ንንጉስ መዓካን ንህዝቡን ተኻረዩ፡ እዚኣቶም መጺኦም ኣብ ቅድሚ ሜድባ ሰፈሩ፡ ደቂ ዓሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ኪዋግኡ መጹ።
8
ዳዊት ከኣ ምስ ሰምዖ፡ ንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ጀጋኑን ሰደደ።
9
ደቂ ዓሞን ድማ ወጺኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመጹ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ።
10
ዮኣብ ከኣ እቲ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝዀኖ ምስ ረኣየ፡ ካብ ኲሎም እቶም ሕሩያት ኣብ እስራኤል ሐርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም።
11
እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሻይ ሓው ገበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ኪቃባበሉ ኸኣ ተሰለፉ።
12
በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሐየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሐየሉ ኸኣ፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ።
13
ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር።
14
ሽዑ ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንሶርያውያን ኪዋግእዎም ናብ ቅድሚኦም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሀደሙ።
15
እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሀደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሓው ሀዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተው። ሽዑ ዮኣብ ናብ የሩሳሌም ኣተወ።
16
ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ልኡኻት ሰደዱ እሞ፡ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽእዎም፡ ሾፋኽ ናይ ሃዳርዔዘር ሓለቓ ሰራዊት ከኣ መርሖም።
17
እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ናብኦም ቀሪቡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ንውግእ ኪቃባበሎም ምስ ተሰለፈ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ።
18
እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሀደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሰባት ናይ ሾብዓተ ሽሕ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ እግረኛ ሰብን ቀተለ። ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ።
19
እቶም ገላው ሃዳርዔዘር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ምስ ዳዊት ተዐርቁ እሞ ተገዝእዎ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕሪ ደጊም ንደቂ ዓሞን ኪረድእዎም ኣይፈተውን።
← Chapter 18
Chapter 20 →