bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
/
Psalms 125
Psalms 125
Amharic (Tigrigna: Contemporary Tigrinya Bible 2024)
1
(ዳዊት።) እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ፡ ንዘለኣለም ዚጸንሕ እምበር ዘይንቀሳቐስ ደብረ ጽዮን ኪዀኑ እዮም።
2
ከምቲ ኣኽራን ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዘሎ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
3
በትሪ ረሲኣን ኣብ ዕጫ ጻድቃን ኣይክትዓርፍን እያ። ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጽ ከይዝርግሑ።
4
እግዚኣብሄር፡ ነቶም ሕያዎትን ንቕኑዕ ልቢ ዘለዎምን ጽቡቕ ግበር።
5
ነቶም ናብ ጠውዮም መገዶም ዚምለሱ፡ እግዚኣብሄር ምስ ገበርቲ ዓመጽ ኪመርሖም እዩ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ግና ሰላም ኪኸውን እዩ።
← Chapter 124
Chapter 126 →