bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 6
Zechariah 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ፥ ኣርባዕተ ሰረገላታት፥ ካብ መንጎ ኽልተ እምባታት ክወፁ እንተለዉ ድማ ረአኹ። እቶም እምባታት፥ እምባታት ነሃስ ነበሩ።
2
ኣብቲ ቐዳማይ ሰረገላ ሃመራት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ኻልኣይ ሰረገላ ኸዓ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።
3
ኣብቲ ሳልሳይ ሰረገላ ኣምበላያት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ራብዓይ ሰረገላ ድማ ዝንጕርጕር ኣፍራስ ነበሩ።
4
ኣነ ኸዓ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ “ኦ ጐይታይ፥ እዚኣቶምከ እንታይ እዮም?” በልክዎ።
5
እቲ መልኣኽ ከዓ፥ “እዚኣቶም ካብ ዝቘምዎም፥ ካብ ቅድሚ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ዝወፁ፥ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ እዮም።”
6
እቲ በዓል መጋላት ኣፍራስ ናብ ሰሜን ይወፅእ፤ እቲ በዓል ኣምበላይ ኣፍራስ ድማ ብድሕሪኡ ይወፅእ፤ እቲ በዓል ዝንጕርጕር ኣፍራስውን ናብ ደቡብ ይወፅእ።
7
እቶም ብርቱዓት ኣፍራስ እንትወፁ፥ ኣብ ኵላ ምድሪ ንምምልላስ ይደልዩ ነበሩ። ንሱውን “ኪዱ ንምድሪ ተመላለስዋ” በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ንምድሪ ተመላለስዋ።
8
ካብኡ ዓው ኢሉ “እንሆ እቶም ናብ ሃገር ሰሜን ዝወፁ፥ ንመንፈሰይ ኣብ ምድሪ ሰሜን ኣዕሪፎምዎ” በለኒ።
9
መሊሱ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፦
10
“ካብቶም ካብ ባቢሎን ዝመፁ ምሩኻት፥ ካብ ሔልዳይን ካብ ጦብያን ካብ ኢዮዳኤምን ውሰድ፤ በቲ መዓልቲ እቱይ ኬድካ፥ ናብ ወዲ ሶፎንያስ ናብ ቤት ኢዮስያስ እቶ።
11
ወርቅን ብሩርን ወሲድካ ድማ ኣኽሊላት ስራሕሞ፥ ኣብ ርእሲ እቲ ዓብዪ ካህን ኢያሱ ወዲ ዮሴዴቅ ድፍኣዮም።
12
ንእኡውን ከምዙይ በሎ፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ ስሙ ቘጥቋጥ ዝተብሃለ ሰብ፥ ኣብ ቦታኡ ኽበቍል እዩ፤ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ክሰርሕ እዩ።
13
ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝሰርሕ ንሱ እዩ፤ ክብሪውን ክለብስ እዩ፤ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ኸዓ ኽገዝእ እዩ። ኣብ ዙፋኑ ኻህን ክኸውን እዩ፤ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ከዓ ምኽሪ ሰላም ክህሉ እዩ።’
14
እቶም ኣኽሊላት ድማ ንሔሌምን ንጦብያን ንዮዳኤምን ንወዲ ሶፎንያስን ንሔንን፥ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ክኾኑ እዮም።”
15
እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኽመፁ፥ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ድማ ኽሰርሑ እዮም፤ ንስኻትኩምውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም ከም ዝለኣኸኒ ኽትፈልጡ ኢኹም። ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተጠንቂቕኩም እንተ ተኣዚዝኩም እዙይ ክኸውን እዩ።
← Chapter 5
Chapter 7 →