bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 5
Zechariah 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
መሊሰውን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ ረአኹ።
2
ንሱ ድማ “እንታይ ትርኢ ኣለኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “ትሽዓተ ሜትር ዝምንዋሓ ኣርባዕተ ሜትርን ፈረቓን ከዓ ዝወርዳ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ እርኢ ኣለኹ” በልክዎ።
3
ንሱ ኸዓ “እዙይ እቲ ኣብ ኵላ ገፅ ምድሪ ዝወፅእ መርገም እዩ፦ ኵሉ ዝሰርቕ፥ ብመጠን እቲ ኣብ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ኽድምሰስ እዩ፤ ብሓሰት ዝምሕል ከዓ፥ ከምቲ ኣብቲ ሓደ ገፅ ዝተፅሓፈ ክድምሰስ እዩ።
4
ኣነ ኸውፅኦ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ኣነ ነዝ መርገም እዙይ ክሰዶ እየ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት እቲ ሰራቕን፥ ናብ ቤት እቲ ብስመይ ብሓሰት ዝምሕልን ክኣቱ እዩ። ኣብ ቤቱውን ክነብር እዩ፤ ንእኡን ቤቱን ዕንፀይቱን እምኑን ከዓ ኸጥፍኦ እዩ።”
5
እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ወፀ፤ “ኣዒንትኻ ኣልዕልሞ እዛ እትወፅእ ዘላ እንታይ ከም ዝኾነት ረአ” በለኒ።
6
ኣነ ኸዓ “እንታይ እያ?” በልክዎ። ንሱ ድማ እዛ እትወፅእ ዘላ “መስፈሪ ኢፍ እያ” በለኒ። ንሱ ድማ ቐፂሉ “እዙይ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘሎ በደል ህዝቢ እዩ” በለኒ።
7
እንሆ ነቲ ናቱ መኽሊት ኣልዓልዎ። እንሆ ኣብ ውሽጢ እቲ መስፈሪ ኢፍ ከዓ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተቐሚጣ ነበረት።
8
ንሱ ድማ “እዚኣ ኽፍኣት እያ” ኢሉ ናብ መስፈሪ ኢፍ መሊሱ ደርበያ። ነቲ መኽደን እቲ ዓረር፥ ድማ ናብ ኣፍ እቲ መስፈሪ ኢፍ ደርበዮ።
9
መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዒለ ጠመትኩ፤ እንሆ ኽልተ ኣንስቲ ወፃ፤ ኣብ ኣኽናፈንውን ንፋስ ነበረ። ኣኽናፈን ከም ኣኽናፍ ራዛ ነበራ፤ ነቲ መስፈሪ ኢፍውን፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓላኦ።
10
ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ “ነዝ መስፈሪ ኢፍ፥ ናበይ እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ?” በልክዎ።
11
ንሱ ኸዓ “ቤት ምእንቲ ኽሰርሓሉ ናብ ምድሪ ሰናዖር እየን ዝወስዳኦ ዘለዋ። ምስተዳለወ ኣብኡ ኣብ ስፍራኡ ኽነብር እዩ” በለኒ።
← Chapter 4
Chapter 6 →