bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 14
Zechariah 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እንሆ መዓልቲ እግዚኣብሄር ክመፅእ እዩ፤ ዝዘመቱኺ ኸዓ ኣብ ውሽጥኺ ኽማቐልዎ እዮም።
2
ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።
3
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ብጊዜ ዂናት ዝተዋግኦ፥ ንኣህዛብ ክዋግኦም ክወፅእ እዩ።
4
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብቲ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘሎ ደብረ ዘይት፥ ኣእጋሩ ኽቖማ እየን። ደብረ ዘይት ኻብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ፥ ኣብ ክልተ ኽስንጠቕ እዩ። የመና ዓብዪ ለሰውን ክኸውን እዩ። ፍርቂ እቲ እምባ ናብ ሰሜን፥ ፍርቁ ድማ ናብ ደቡብ ክሰሓብ እዩ።
5
ለሰ እቲ እምባ ክሳዕ ኣፀል ክበፅሕ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም በቲ ለሰ እምባታት ክትሃድሙ ኢኹም። ኣቦታትኩም ብዘመን ኦዝያን ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝኾነ፥ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተልዓለ ኸም ዝሃደሙ፥ ክትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከዓ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ።
6
በታ መዓልቲ እቲኣ በረድን ኣስሓይታን እምበር ብርሃን ኣይኸውንን።
7
ሓደ መዓልቲ እውን ይኸውን፤ ንሱውን ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ ይኸውን፤ መዓልቲ ኣይኸውንን፤ ለይቲ እውን ኣይኸውንን፤ እንትመሲ ድማ ብርሃን ይኸውን።
8
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ማይ ህይወት ካብ ኢየሩሳሌም ክውሕጅ እዩ፤ ፍርቁ ናብ ምስራቓዊ ባሕሪ፥ ፍርቁ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኽፈስስ እዩ። እዙይ ብሓጋይን ብኽረምትን ይኸውን።
9
እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽነግስ እዩ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ሓደ፥ ስሙውን ሓደ ክኸውን እዩ።
10
ኵላ ምድሪ ኻብ ጌባ ጀሚሩ ብደቡብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘላ ኽሳዕ ሞሬን፥ ተለዊጣ ኸም ዓረባ ኽትከውን እያ፤ ንሳ ልዕል ልዕል ክትብል እያ። ካብ በሪ ቢንያም ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ በሪ ኽሳዕ እቲ በሪ መኣዝኑ፥ ካብ ግንቢ ሓናንኤል ክሳዕ እቲ መፅመቚ ወይኒ ንጉስ ኣብ ስፍራኣ ኽትነብር እያ።
11
ህዝቢ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፤ ብድሕሪኡ ርግማን ኣይኸውንን፤ ኢየሩሳሌም ሃዲኣ ብሰላም ክትነብር እያ።
12
እግዚኣብሄር ነቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ዅላቶም ኣህዛብ ዝወቕዐሉ መቕሰፍቲ እዙይ እዩ፤ ገና ብእግሮም ቆይሞም እንተለዉ ስጋኦም ክብስብስ እዩ፤ ኣዒንቶም ኣብ ጕድጓደን እንተለዋ ኽብስብሳ እየን፤ መልሓሶምውን ኣብ ውሽጢ ኣፎም እንተላ ኽትብስብስ እያ።
13
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዓብዪ ራዕዲ ኽወርድ እዩ። ንስንሳቱ ኢድ ብፃዩ ኽሕዝ እዩ፤ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ኽለዓል እዩ።
14
ይሁዳ ድማ፥ ኣብ ውሽጢ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኽዋጋእ እዩ፤ ሃብቲ ዅሎም እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ፥ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ክዳውንትን ድማ ኽእክብ እዩ።
15
ኣብ ልዕሊ ፈረስን በቕልን ግመልን ኣድግን፥ ኣብቲ ሰፈር እቱይ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ዅሉ እንስሳን ዘፅንት መዓት ክወርድ እዩ።
16
ሽዑ ኻብቶም ንኢየሩሳሌም ዝወግእዋ ኣህዛብ፥ ካብ ሞት ዝተረፉ ዅሎም፥ ነቲ ንጉስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንምስጋድን በዓል ዳስ ንምኽባርን፥ በብዓመቱ ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እዮም።
17
ካብ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ነቲ ንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደዪቦም፥ ዝናም ኣይዘንቦምን እዩ።
18
ግብፃውያን ናብ ኢየሩሳሌም እንተ ዘይደየቡን በዓል ዳስ እንተ ዘየብዓሉን፥ እግዚኣብሄር ነቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዘይድይቡ ኣህዛብ፥ ዝቐፅዐሉ መዓት ከውርደሎም እዩ።
19
እዙይ ቅፅዓት ግብፅን፥ ቅፅዓት እቶም በዓል ዳስ ከብዕሉ ናብ ኢየሩሳሌም ዘይድይቡ ዅላቶም ኣህዛብን እዩ።
20
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቃጭል ኣፍራስ “ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ” ዝብል ክፀሓፍ እዩ። እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘሎ ድስትታት ከዓ፥ ከምቲ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ዘሎ ሒላባት ቅዱስ ክኸውን እዩ።
21
ኣብ ኢየሩሳሌምን ኣብ ይሁዳን ዘሎ ድስትታት፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እቶም መስዋእቲ ኽስውኡ ዝመፁ ዅላቶም፥ ነቲ ድስትታት ብምውሳድ ከዓ፥ ነቲ መስዋእቲ ኣብኡ ኸብስልዎ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኣብታ ቤት ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከነዓናዊ ኸቶ ኣይህሉን እዩ።
← Chapter 13