bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Zechariah 13
Zechariah 13
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንቤት ዳዊትን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን፥ ካብ ሓጢኣትን ካብ ርኽሰትን እተንፅህ፥ ዓይኒ ማይ ክትክፈተሎም እያ።
2
በታ መዓልቲ እቲኣ ንስም ጣዖታት ካብ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪዙይ ድማ ኣይዝከሩን እዮም፤ ሓሰውቲ ነቢያቶምን ንርኹስ መንፈስን ካብ ምድሪ ኸወግዶም እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
3
ሽዑ ዝኾነ ሰብ ትንቢት እንተ ተናገረ፥ እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ‘ንስኻ ብስም እግዚኣብሄር ሓሰት ተናጊርካ ኢኻሞ ብህይወት ኣይትነብርን ኢኻ’ ኽብልዎ እዮም። ትንቢት እንትናገርውን እቶም ዝወለድዎ ኣቦኡን እኖኡን ክወግእዎ እዮም።
4
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኵሎም ነቢያት ትንቢት እንትናገሩ፥ ነፍሲ ወከፍ ስለ እቲ ዝናገሮ ራእይን ትንቢትን ይሓፍር፤ ንምትላልውን ወጮ ኣይለብሱን።
5
ንሱ ግና ‘ኣነ ኻብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ንሰብ እግዛእ ስለ ዝነበርኩ፥ ስራሐይ ማሕረስ እምበር ነቢይ ኣይኮንኩን’ ይብል።
6
ሰብ ድማ ‘እዝ ኣብ ማእኸል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ ደኣ እንታይ እዩ?’ ኢሉ እንትጥይቖ፥ ንሱ ‘ኣብ ቤት ፈተውተይ ዝቘሰልክዎ ቝስሊ እዩ’ ይብል።”
7
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኦ ሰይፊ፥ ኣንፃር ጓሳይን እቲ ፈታዊየይ ዝኾነ ሰብን ተስእ፤ ነቲ ጓሳ ውቕዓዮ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ ፋሕ ይበላ። ኣነ ኸዓ ቕልፅመይ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣናእሽቱ ኽመልስ እየ።
8
ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ድማ እቶም ክልተ ኢድ ተቘሪፆም ክሞቱ እዮም፤ እቶም ሳልሳይ ኢድ ግና፥ ኣብኣ ኽተርፉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
9
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
← Chapter 12
Chapter 14 →