bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 9
Revelation 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኮኸብ ከዓ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ እንተሎ ረአኹ፤ መፍትሕ እቲ ዓሚቝ ጕድጓድውን ተውሃቦ።
2
እቲ ኮኸብ ድማ፥ ነቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ከፈቶ። ካብቲ ጕድጓድ ከዓ፥ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዝመስል ትኪ ወፀ። ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ፥ ፀሓይን ኣየርን ፀልመተ።
3
ካብቲ ትኪውን፥ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወፀ፤ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ምድሪ፥ ስልጣን ዘለወን ከዓ፥ ስልጣን ተውሃቦ።
4
ነቲ ኣንበጣውን “ነቶም ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፥ ንሳዕሪ ወይ ንዅሉ ዝለምለመ፥ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም” ተብሂሉ ተነገሮ።
5
ክቐትሎም ዘይኮነስ፥ ንሓሙሽተ ወርሒ ኸሳቕዮም ስልጣን ተውሃቦ። እቲ ምስቓዮም ከዓ፥ ከምቲ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ እንተላ ዘሳቒ እዩ።
6
በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክሃድም እዩ።
7
ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ኣራእሶምውን፥ ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል ነበሮም፤ ገፆም ከዓ፥ ከም ገፅ ሰብ ነበረ።
8
ከም ፀጕሪ ኣንስቲ ዝመስል ፀጕሪ ድማ ነበሮም፤ ኣስናኖምውን፥ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ።
9
ድርዒ ሓፂን ዝመስል፥ ድርዒ ነበሮም፤ ድምፂ ኣኽናፎምውን፥ ከም ድምፂ እቶም ናብ ውግእ ዝጋልቡ፥ ብዙሓት ኣፍራስ ሰረገላታት ነበረ።
10
ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝመስል፥ ጭራ ነበሮም፤ ንሓሙሽተ ወርሒ፥ ንሰባት ምእንቲ ኽጐድኡ ኸዓ፥ ኣብ ጭራኦም ስልጣን ነበሮም።
11
ንጉስ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን፥ ብግሪክ ከዓ ኣጶልዮን ይበሃል።
12
እቲ ቐዳማይ መከራ ሓሊፉ፤ ድሕሪዙይ ከዓ እንሆ ገና ኽልተ መከራ ይመፅእ ኣሎ።
13
እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ። ካብተን ኣርባዕተ ኣቕርንቲ፥ ናይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ ኸዓ፥ ድምፂ ኽወፅእ እንተሎ ሰማዕኹ።
14
“ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ፍትሓዮም” በሎ።
15
እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣን፥ ነዛ ወርሒ እዚኣን፥ ነዛ ዓመት እዚኣን፥ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ሲሶ ደቂ ሰብ ክቐትሉ ተፈትሑ።
16
ቍፅሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ፥ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፥ ዝብል ሰማዕኹ።
17
ብራእይ ድማ፥ ነቶም ኣፍራስን፥ ነቶም ተቐሚጦምዎም ዝነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ፥ ከም ሓዊ ቐይሕ፥ ከም ያክንት ሰማያዊ፥ ከም ዲን ድማ፥ ብጫ ዝመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ፥ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምውን፥ ሓዊን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ።
18
በቲ ኻብ ኣፎም ዝወፀ ሓዊን ትክን ዲንን፥ በዘን ሰለስተ መዓታት እዚኣተን፥ ሲሶ ሰብ ተቐትለ።
19
ሓይሊ እቶም ኣፍራስ፥ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፤ እቲ ጭራኦም ተመን እዩ ዝመስል፤ ርእሲውን ኣለዎም፤ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዝጐድኡ።
20
እቶም በዘን መዓታት እዚኣተን እንተይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት፥ ካብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሁን። ንኣጋንንትን ነቶም ክሪኡ፥ ወይ ክሰምዑ፥ ወይ ክኸዱ ዘይኽእሉ፥ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብእምንን ብዕንፀይትን ዝተሰርሑ ጣዖታት፥ ምምላኽ ኣይሓደጉን።
21
ከምኡውን፥ ካብ ምቕታሎምን ወይ ካብ ምጥንቋሎምን ወይ ካብ ምንዝርናኦምን ወይ ካብ ስርቆምን፥ ኣይተነስሁን።
← Chapter 8
Chapter 10 →