bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 8
Revelation 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ኣብ ሰማይ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል፥ ህድኣት ኮነ።
2
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ፥ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ረአኹ። ሸውዓተ መለኸትውን ተውሃቦም።
3
ካልእ መልኣኽውን፥ ወርቂ ፅንሃህ ሒዙ መፀ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ ፀሎት ኵሎም ቅዱሳን ወሲኹ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ፥ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ፥ ብዙሕ ዕጣን ተውሃቦ።
4
ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ፥ ምስቲ ፀሎት ቅዱሳን ኮይኑ፥ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓረገ።
5
እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።
6
እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ፥ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ።
7
እቲ ቐዳማይ መልኣኽ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዝተሓወሶ በረድን ሓዊን ድማ መፀ፤ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ነደደ፤ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፤ ኵሉ ለምለም ሳዕሪውን ነደደ።
8
እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ሃልሃል እናበለ ዝነድድ፥ ዓብዪ እምባ ዝመስል ነገር፥ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኮነ።
9
ሲሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ህይወት ዘለዎ ፍጡርውን ሞተ፤ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።
10
እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከዓ፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ዓብዪ ኮኸብ፥ ከም ሽግ እናነደደ፥ ካብ ሰማይ ወደቐ፤ ኣብ ሲሶ ሩባታትን፥ ኣብ ዓይኒ ማያትን ድማ ወደቐ።
11
ስም እቲ ኮኸብ ከዓ “ምረት” እዩ ዝበሃል፤ ሲሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑውን፥ ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ፥ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።
12
እቲ ራብዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ሲሶ ፀሓይን፥ ሲሶ ወርሕን፥ ሲሶ ኸዋኽብትን፥ ተወቕዐ። ናይ ብርሃኖም ሳልሳይ ኣፍ ድማ ፀልመተ። ስለዙይ ሲሶ ናይ መዓልቲ፥ ፀልመተ፤ ሲሶ ናይ ለይቲ ኸዓ፥ ብዘይ ብርሃን ወርሕን ከዋኽብትን ኮነ።
13
ድሕሪዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዝምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “እቶም ሰለስተ መላእኽቲ፥ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸታት ምስ ነፍሕወን፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም!” እንትብል ሰማዕኹ።
← Chapter 7
Chapter 9 →