bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 6
Revelation 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።
2
እንሆ ኸዓ፥ ኣምበላይ ፈረስ እንትወፅእ ረአኹ፤ እቲ ዝተቐመጦ ድማ፥ ቀስቲ ሒዙ ነበረ፤ ኣኽሊልውን ሃብዎ፤ ክስዕር ወፀ፤ ሰዓረ ድማ።
3
ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” በለኒ።
4
ካልእ ቀይሕ ፈረስ ድማ ወፀ፤ ነቲ ዝተቐመጦውን፥ ሰባት ንስንሳቶም ንኽቃተሉ፥ ካብ ምድሪ ሰላም ከጥፍእ ስልጣን ተውሃቦ። ዓብዪ ሰይፊ እውን ተውሃቦ።
5
ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ከዓ፥ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ። እንሆ ፀሊም ፈረስውን ረአኹ። እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ ኣብ ኢዱ ሚዛን ሒዙ ነበረ።
6
ካብ ማእኸል እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ድምፂ ሰብ ብዝመስል፥ “ሓደ መስፈሪ ስርናይ ብዲናር፥ ሰለስተ ምሸ ስገም ከዓ ብዲናር፥ ዘይትን ወይንን ግና ኣይትጕዳእ” እንትብል ሰማዕኹ።
7
ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ድምፂ እቲ ራብዓይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።
8
እንሆ ድማ ግራጫ ፈረስ ረአኹ፤ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረውን፥ ሞት እዩ። ሲኦልውን ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ራብዓይ ክፋል ምድሪ ብዅናት፥ ብጥሜት፥ ብፌራ፥ ብኣራዊት ምድሪ ገይሮም፥ ንኽቐትሉ ስልጣን ተውሃቦም።
9
ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓረዱ፥ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረአኹ።
10
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”
11
ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቍፅሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም፥ ብፆቶም ኣገልገልትን ኣሕዋቶምን፥ ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ፥ ገና ንቑሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።
12
እቲ በጊዕ፥ ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ክፈትሖ እንተሎ ኸዓ ረአኹ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ፀሓይ ከም ወጮ ፀለመት፤ ወርሒ እውን ኵለንትናኣ፥ ከም ደም ኮነት።
13
ኦም በለስ፥ ብርቱዕ ንፋስ ነነው ምስ ኣበላ፥ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፥ ከምኡ ኸዓ፥ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ረገፉ።
14
ሰማይውን፥ ከም ብራና ተጠቕሊሉ ሓለፈ። ኵሎም እምባታትን ደሴታትን፥ ካብ ሰስፍራኦም ተወገዱ።
15
ነገስታት ምድርን፥ መሳፍንትን፥ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ሃብታማትን፥ ሓያላትን፥ ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን፥ ኣብ ውሽጢ በዓትታትን፥ ኣብ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ።
16
ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ፥ “ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ካብ ቍጥዓ እቲ በጊዕን፥ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና።
17
እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መፂኣ እያ እሞ፥ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል?” በልዎም።
← Chapter 5
Chapter 7 →