bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 5
Revelation 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ የማን እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ፥ ብውሽጡን ብደገኡን ዝተፅሓፈ፥ ብሸውዓተ ማሕተም ዝተሓትመ፥ ጥቕሉል መፅሓፍ ረአኹ።
2
ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ “ነዝ መፅሓፍ እዙይ ክቐልዖ፥ ንማሕተሙውን ክፈትሖ ዝበቅዕ መን ኣሎ?” እናበለ ዓው ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ ረአኹ።
3
ነቲ መፅሓፍ እቱይ፥ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዝኽእል፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፥ ሓደኳ ኣይነበረን።
4
ኣነ ድማ፥ ነቲ መፅሓፍ ዝቐልዖ ወይ ዘንብቦ ብቑዕ፥ ሓደኳ ስለ ዘይተረኽበ፥ ብዙሕ በኸኹ።
5
ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።
6
ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።
7
ንሱ መፂኡ፥ ነቲ መፅሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ወሰዶ።
8
ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።
9
ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤
10
ንኣምላኽና፥ መንግስትን ካህናትን ገበርካዮም፤ ንሳቶም ድማ፥ ኣብ ምድሪ ኽነግሱ እዮም።”
11
ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።
12
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።
13
እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።
14
እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
← Chapter 4
Chapter 6 →