bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 22
Revelation 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።
2
ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።
3
ድሕሪ ደጊምስ መርገም፥ ከቶ ኣይህሉን እዩ። ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ዙፋን እቲ በጊዕን፥ ኣብኣ ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣገልገልቱውን ከምልኽዎ እዮም፤
4
ገፁ ኽሪኡ እዮም፤ ስሙውን ኣብ ግምባሮም ክኸውን እዩ።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።
6
ሽዑ እቲ መልኣኽ፥ ከምዙይ በለኒ፦ “እዘን ቃላት እዚኣተን፥ እሙናትን ሓቅን እየን። ጐይታ ኣምላኽ መናፍስቲ ነቢያት፥ ነቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግብኦ ነገር፥ ንኣገልገልቱ ኸርእዮም መልኣኹ ለኣኸ።”
7
[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ እቲ ንቓላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕሉ ኸዓ፥ ብፁእ እዩ” በለኒ።
8
ነዝ ነገር እዙይ፥ ዝሰማዕኽዎን ዝረአኽዎን፥ ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኹን ምስ ረአኹን ከዓ፥ ኣብ እግሪ እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዘርአየኒ መልኣኽ ክሰግድ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ተደፋእኹ።
9
ንሱ ኸዓ “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነስ ከማኻን፥ ከምቶም ኣሕዋትካ ነቢያትን፥ ከምቶም ንቓል እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕልዉን፥ ኣገልጋሊ እየ። ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ” በለኒ።
10
ንኣይውን “እቲ ጊዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ንቓል ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ፥ ምስጢር ጌርካ ብማሕተም ኣይትዕፀዎ።
11
እቲ ገፋዒ ይግፋዕ፤ እቲ ርኹስ ይርከስ፤ እቲ ፃድቕ ይፅደቕ፤ እቲ ቕዱስ ይቀደስ” በለኒ።
12
[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ንነፍሲ ወከፍውን፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ፥ ዓስበይ ምሳይ ኣሎ።
13
ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ መጀመርታን መወዳእታን፥ ኣነ እየ።”
14
“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።
15
እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።
16
“ኣነ ኢየሱስ፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስክረልኩም ኢለ፥ መልኣኸይ ለኣኽኩ። ኣነ፥ ካብ ሱር ዳዊትን፥ ዘርኡን ዝኾንኩ እየ፤ እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ” በለ።
17
መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
18
ኣነ፥ ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘሎ ቓል ትንቢት ንዝሰምዑ ዅሎም፥ እምስክረሎም ኣለኹ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዙይ እንተ ወሰኸ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፎም ዘለዉ መቕሰፍትታት፥ ክውስኸሉ እዩ።
19
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።
20
እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዝምስክር፥ “እወ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ” ይብል ኣሎ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።
21
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
← Chapter 21