bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Revelation 21
Revelation 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብድሕሪዙይ፥ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን፥ እታ ቐዳመይቲ ምድርን፥ ሓሊፎም እዮም እሞ፥ ባሕሪ እውን ደጊም ኣይህሉን።
2
እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።
3
ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።
4
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
5
እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ “እንሆ፥ ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ” በለ። ቀፂሉ ድማ፥ “እዝ ቓል እዙይ፥ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ፀሓፎ” በለኒ።
6
ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
7
እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ።
8
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።
9
ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ዝመልኡ፥ ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ “ነታ መርዓት፥ ሰበይቲ እቲ በጊዕ፥ ከርእየካስ ነዓ” በለኒ።
10
ብመንፈስ ድማ፥ ናብ ዓቢይን ነዊሕን እምባ ወሰደኒ፤ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ኸዓ ኣርኣየኒ።
11
ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።
12
ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ዘለዎ፥ ዓቢይን ነዊሕን ቅፅሪ ነበራ፤ ኣብቲ ኣፍ ደገታትውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መላእኽቲ ነበሩ። ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ተፅሒፉ ነበረ።
13
ብምብራቕ ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብሰሜን ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብደቡብ ሰለስተ ኣፍ ደገ፥ ብምዕራብ ሰለስተ ኣፍ ደገ ነበረ።
14
ቅፅሪ እታ ኸተማ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ መሰረት ነበሮ። ኣብኡ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ስም፥ ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት እቲ በጊዕ ነበረ።
15
እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ደገታታን ቅፅራን ዝዕቅነሉ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መዐቀኒ ዘንጊ ነበሮ።
16
እታ ኸተማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበራ፤ ምንዋሓን ምግፋሓን ከዓ፥ ማዕረ ነበረ። በቲ ዘንጊ ኸዓ፥ ነታ ኸተማ ዓቀና። ንውሓታ ድማ፥ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሜትር ኮነ። ምንዋሓን፥ ምግፋሓን፥ ቁመታን፥ ማዕረ ነበረ።
17
ነቲ ቕፅራ ዓቀኖ፤ በቲ መልኣኽ ዝዕቅነሉ ዝነበረ እመት ሰብኣይ ድማ፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ኮነ።
18
እቲ ቕፅራ ድማ፥ ብኢያሰጲድ ዝተነድቀ ነበረ፤ እታ ኸተማውን፥ ፅሩይ መስትያት ብዝመስል ብፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐት ነበረት።
19
መሰረት ቅፅሪ እታ ኸተማ ድማ፥ ብበብዓይነቱ ኽቡር እምኒ ዘጌፀ ነበረ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ኢያሰጲድ፥ እቲ ኻልኣይ ሰንፔር፥ እቲ ሳልሳይ ኬልቄዶን፥ እቲ ራብዓይ መረግድ፥
20
እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፥ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮን፥ እቲ ሻውዓይ ክርስቲሎቤ፥ እቲ ሻምናይ ቢረሌ፥ እቲ ታሽዓይ ወራውሬ፥ እቲ ዓስራይ ክርስጵራስስ፥ እቲ መበል ዓሰርተ ሓደ ያክንት፥ እቲ መበል ዓሰርተ ኽልተ ኣሜቴስጢኖስ ነበረ።
21
ኣብቲ ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኣዕናቝ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ፥ ካብ ሓደ ዕንቍ ዝተገብረ ነበረ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ፥ ከም መስትያት ብዘንፀባርቕ ፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐ ነበረ።
22
ኣብታ ኸተማ፥ መቕደስ ኣይረአኹን፤ እቲ ንዅሉ ዝገዝእ ጐይታ ኣምላኽን፥ እቲ በጊዕን፥ መቕደሳ እዮም እሞ።
23
እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።
24
ኵሎም ህዝብታት፥ ብብርሃና ኽመላለሱ፥ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።
25
ኣብኣ ለይቲ ዝበሃል ስለ ዘየለ፥ ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም።
26
ኣህዛብውን፥ ክብሮምን ግርማኦምን ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።
27
እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።
← Chapter 20
Chapter 22 →