bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 92
Psalms 92
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንእግዚኣብሄር ምምስጋን ሰናይ እዩ፤ ኦ ልዑል እግዚኣብሄር፥ ንስምካ ዝማሬ ምቕራብ ሰናይ እዩ።
2
ብንግሆ ምሕረትካ፥ ብለይቲውን ተኣማንነትካ ምንጋር ሰናይ እዩ።
3
ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገናን ብእምብልታን፥ ብመሰንቆን፥ ንኣኻ ምምስጋን ሰናይ እዩ።
4
ኦ ጐይታ፥ ብግብርታትካ ኣሐጒስካኒ ኢኻ እሞ፥ ብተግባር ኣእዳውካውን እሕጐስ።
5
ኦ ጐይታ፥ ግብርኻ ኸመይ የመና ዓብዪ እዩ! ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ!
6
ሰነፍ ሰብ ኣይፈልጦን፤ ልቢ ዘይብሉውን ነዙይ ኣየስተውዕሎን እዩ።
7
ሓጢኣተኛታት ሰባት ከም ሳዕሪ እንትበቝሉ፥ ኵሎም ገበርቲ ኽፉእውን እንትልምልሙ፥ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጠፍኡ እዩ።
8
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና ንዘለኣለም ልዑል ኢኻ።
9
ኦ ጐይታ፥ እንሆ ፀላእትኻ ኽጠፍኡ እዮም እሞ፤ ኵሎም ገበርቲ ዓመፅውን ክብተኑ እዮም እሞ።
10
ቀርነይ ግና ሓደ ቐርኒ ኸም ዘለዎ ጐባይ ልዕል ልዕል ይብል፤ ብሓድሽ ዘይቲውን ክቕባእ እየ።
11
ዓይነይ ኣብ ፀላእተይ ክትርኢ እያ፤ እዝነይውን ኣብ ልዕለይ ብዝተልዓሉ ኽፉኣት ክትሰምዕ እያ።
12
ፃድቕ ከም ስየ ይፈሪ፤ ከም ዝግባ ሊባኖስውን ይዓቢ።
13
ኣብ ውሽጢ ቤት እግዚኣብሄር ተተኺሎም እዮም፤ ኣብ ውሽጢ ዓፀድ ኣምላኽናውን ይበቝሉ።
14
ሽዑ ብዝለምለመ ሽምግልና ይፈርዩ፤ ሕጉሳት ኮይኖምውን ይነብሩ፤
15
“ኣምላኽና እግዚኣብሄር፥ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ይነግሩ፤ ኣብኡውን ዓመፅ የለን።”
← Chapter 91
Chapter 93 →