bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 91
Psalms 91
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኣብ ፀግዒ እቲ ልዑል ዝሓድር፥ ኣብ ውሽጢ ፅላል እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይነብር።
2
ንእግዚኣብሄር “መዕቘብየይን ዕርደይን ዝተኣማመነካ ኣምላኸይን” ኢኻ እብሎ።
3
ንሱ ኻብ መፃወድያ ሃዳናይ፥ ካብ ዘደንግፅ ነገርውን የድሕነካ፤
4
ብግልግለኡ ኽኽውለካ እዩ፤ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉውን ክትተኣማመን ኢኻ፤ ሓቂ ኸም ዋልታ ክኸበካ እዩ።
5
ካብ ግርማ ለይቲ፥ ብመዓልቲ ኻብ ዝውርወር ፍላፃ፥
6
ብፀልማት ካብ ዝኸይድ ክፉእ ነገር፥ ካብ ሓደጋን ካብ ጋኔን ቀትርን ኣይትፈርሕን።
7
ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፥ ኣብ የማንካውን ዓሰርተ ሽሕ ክወድቁ እዮም፤ ናባኻ ግና ኣይቐርብን እዩ።
8
በዒንትኻ ጥራሕ ክትርኢ ኢኻ፤ ፍዳ ሓጢኣትውን ክትርኢ ኢኻ።
9
ኦ ጐይታ፥ ተስፋይ ንስኻ ኢኻ፤ ንልዑልውን መፀግዒኻ ገበርካዮ፤
10
ክፉእ ነገር ናባኻ ኣይቐርብን፤ መቕሰፍቲ እውን ናብ ገዛኻ ኣይኣቱን።
11
ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልዉኻ፥ እግዚኣብሄር ንመላእኽቱ ምእንታኻ ኽእዝዞም እዩ እሞ።
12
ንሳቶም ከዓ እግርኻ ብእምኒ ኸይዕንቀፍ በእዳዎም ከልዕሉኻ እዮም።
13
ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።
14
በኣይ ተኣማሚኑ እዩሞ ኸናግፎ እየ፤ ስመይ ፈሊጡ እዩ እሞ ኽኽውሎ እየ።
15
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
16
ነዊሕ ዕድመ ኸፅግቦ እየ፤ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።
← Chapter 90
Chapter 92 →