bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 89
Psalms 89
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ምሕረትካ ንዘለኣለም ክዝምር እየ፤ ተኣማንነትካውን ንውሉድ ወለዶ ብኣፈይ ክነግር እየ።
2
ንዘለኣለም ምሕረት ክሃንፅ እየ ኢልካ ኢኻሞ፥ ተኣማንነትካ ኣብ ሰማይ ፀንዐ።
3
“ምስ ዝመረፅኩዎ ኪዳን ኣተኹ፤ ንዳዊት ባርያይ ከዓ ‘ዘርእኻ ንዘለኣለም ከፅንዕ፥ ዙፋንካውን ንውሉድ ወለዶ ኽሃንፅ እየ’ ኢለ መሓልኩሉ” በልካ።
5
ኦ ጐይታ፥ ሰማያት ንተኣምራትካ፥ ተኣማንነትካውን ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ከመስግኑ እዮም።
6
ንእግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መን ይመዓራረዮ? ካብ ደቂ ኣማልኽትኸ መን ይመስሎ?
7
እግዚኣብሄር ኣብ ምኽሪ ቕዱሳን፥ ክቡር እዩ፤ ኣብ ዙርያኡ ብዘለዉ ዅላቶም፥ የመና ዓቢይን ግሩምን እዩ።
8
ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ከማኻ ዝበለ መን ኣሎ? ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ሓያል ኢኻ፤ ሓቂውን ይኸበካ።
9
ንሓይሊ ባሕሪ ንስኻ ትገዝኦ፤ ንድምፂ ማዕበሉውን ንስኻ ስቕ ተብሎ።
10
ንስኻ ንረዓብ ከም ዝተቐትለ ኣዋረድካዮ፤ ብሓይሊ ቕልፅምካውን ንፀላእትኻ በተንካዮም።
11
ሰማያት ናትካ እዮም፤ ምድሪ እውን ናትካ እያ፤ ንዓለም ብምልእታ ንስኻ መስረትካያ።
12
ንሰሜንን ንደቡብን ንስኻ ፈጠርካዮም፤ ታቦርን ኣርሞንኤምን ብስምካ ደስ ይብሎም፤ ንስምካውን ይዝምሩ።
13
ቅልፅምካ ምስ ሓይሊ እዩ፤ ኢድካ በርትዐት፤ የማነይትኻውን ልዕል ልዕል በለት።
14
መሰረት ዙፋንካ ፅድቅን ፍትሕን እዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ቀቅድሜኻ ይኸዱ።
15
እቲ ዕልልታ ዝፈልጥ ህዝቢ፥ ብፁእ እዩ፤ ኦ ጐይታ ብብርሃን ገፅካ ይኸዱ።
16
ብስምካ ዅሉ መዓልቲ ይሕጐሱ፤ ብፅድቕካውን ልዕል ልዕል ይብሉ።
17
መመክሒ ሓይሎም ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ብሞገስካውን ቀርንና ልዕል ልዕል ይብል።
18
ረድኤትና ኻብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንጉስናውን ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።
19
በቲ ዘመን እቱይ ንደቅኻ ብራእይ ተናገርካዮም፤ ከምዙይውን በልካ፦ “ረድኤት ኣብ ልዕሊ ሓያል ኣንበርኩ፤ ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
20
ንባርያይ ዳዊትውን ረኸብክዎ፤ ቅዱስ ዘይቲውን ቀባእኽዎ፤
21
ኢደይ ኵልሻዕ ምስኡ ኽትከውን እያ፤ ቅልፅመይውን ክተፅንዖ እያ።
22
ፀላኢ ኣብ ልዕሊኡ ኣይጥቀምን፤ ኣየውድቖንውን፤ ውሉድ ዓመፅውን መከራ ኣይውስኸሉን።
23
ንፀላእቱ ካብ ቅድሚኡ ኸጥፍኦም እየ፤ ነቶም ዝፀልእዎውን ከዋርዶም እየ።
24
ምሕረተይን ተኣማንነተይን ምስኡ እዩ፤ ብስመይውን ቀርኑ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
25
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ፥ የማኑውን ኣብ ልዕሊ ሩባታት ከንብር እየ።
26
ንሱ ‘ኣቦይ፥ ኣምላኸይ፥ ኰዅሒ ምድሓነይ፥ ንስኻ ኢኻ’ ኽብለኒ እዩ።
27
ኣነውን በዅረይ ክገብሮ እየ፤ ንሱ ኻብ ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ።
28
ምሕረተይ ከዓ ንዘለኣለም ክሕልወሉ እየ፤ ንኺዳነይውን ዝተኣመነ እዩ።
29
ዘርኡውን ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንዙፋኑውን ከም መዋእል ሰማይ ክገብሮ እየ።”
30
ግና “ደቁ ሕገይ እንተ ሓደጉ፤ ከም ፍርደይ እንተ ዘይከዱ፥
31
ስርዓተይ እንተ ኣርከሱ፥ ትእዛዛተይውን እንተ ዘይሓለዉ፥
32
ሽዑ ንሓጢኣቶም ብበትሪ፥ ንበደሎምውን ብመቕሰፍቲ ኽቐፅዖም እየ።
33
ምሕረተይ ግና ኻብኡ ኣየርሕቕን፤ ብተኣማንነተይ ኣይዕምፅን።
34
ኪዳነይውን ኣየርክስን፤ ካብ ኣፈይ ዝወፀውን ኣይልውጥን።”
35
“ንዳዊት ከይሕስዎ፥ ሓደ ሻዕ ብቕድስናይ ምሒለ ኣለኹ።
36
ዘርኡ ንዘለኣለም፥ ዙፋኑውን ከም ፀሓይ፥ ኣብ ቅድመይ ክነብር እዩ።
37
ንዘለኣለም ከም ወርሒ ይፀንዕ፤ ምስክርነቱውን ኣብ ሰማይ ዝተኣመነ እዩ።”
38
ንስኻ ግና ነዓቕካዮ፤ ደርበኻዮውን፤ ነቲ ዝቐባእኻዮውን ደርበኻዮ።
39
ኪዳን ባርያኻ ኣፍረስካ፤ ንመቕደሱውን ኣብ ምድሪ ኣርከስካ።
40
ኵሉ ቕፅርታቱ ኣፍረስካ፤ ንእምባታቱ ኸዓ ኣዕኖኻ።
41
ኵሎም ሓለፍቲ መንገዲ ተመናጠልዎ፤ ንጐረባብቱ ድማ ፀርፊ ኾነ።
42
ንየማን ፀላእቱ ልዕል ልዕል ኣበልካ፤ ንዅሎም ፀላእቱ ኣሐጐስካዮም።
43
ንረድኤት ሰይፉ መለስካ፤ ኣብ ውሽጢ ውግእውን ኣይደገፍካዮን፤
44
ካብ ንፅህናኡ ሰዓርካዮ፤ ሕፍረትውን ኣጐልበብካዮ።
45
መዋእል ዙፋኑ ኣውሓድካ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሕፍረት ወሰኽካ።
46
ኦ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ገፅካ እትምልስ? ቍጥዓኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ሓዊ ዝነድድ?
47
ክእለተይ እንታይ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ብሓቂ ንወዲ ሰብ ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮ?
48
ሞት እንተይረአየ ብህይወት ዝነብር፥ ንነፍሱውን ካብ ሲኦል ዘድሕና መን እዩ?
49
ኦ ጐይታ፥ እቲ ንባርያኻ ዳዊት ብሓቂ ዝመሓልካሉ፥ እቲ ናይ ቀደም ምሕረትካ ኣበይ ኣሎ?
50
ኦ ጐይታ፥ ነቲ ናይ ባሮትካ ፀርፍን፥ ነቲ ኻብ ብዙሕ ኣህዛብ፥ ኣብ ሕቝፈይ ዝተቐበልኩዎ ፀርፍን ዘክር።
51
ኦ ጐይታ፥ ፀላእትኻ ዝፀርፍዎ ፀርፊ፥ ነቲ ዝቐባእኻዮ ዘመን ዝፀርፍዎ ዘለዉ ፀርፊ ዘክር።
52
እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይመስገን። ኣሜን! ኣሜን!
← Chapter 88
Chapter 90 →