bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 88
Psalms 88
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኦ ጐይታ፥ ኣምላኽ ምድሓነይ፥ ኣብ ቅድሜኻ ለይትን መዓልትን አእዊ ኣለኹ፤
2
ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ትእቶ፤ እዝንኻውን ናብ ልመናይ ፅን ኣብል።
3
ነፍሰይ መከራ ፀጊባ ኣላ እሞ፤ ህይወተይውን ናብ መቓብር ቀሪባ ኣላሞ።
4
ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተቘፀርኩ፤ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ሰብውን ኮንኩ።
5
ከምቶም ንዘለኣለም ዘይትዝክሮም፥ ከምቶም ኣብ ጕድጓድ ዝተቐብሩ ቕቱላት፥ ኣብ ማእኸል ምዉታት ተደርበኹ፤ ንሳቶምውን ካብ ኢድካ ርሒቆም እዮም።
6
ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ኣብ ታሕተዋይ ጕድጓድ ኣንበርካኒ።
7
ቍጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ፀንዐ፤ ኵሉ መቕሰፍትኻውን ኣብ ልዕለይ ኣምፃእኻ።
8
ነቶም ዝፈልጡኒ ኻባይ ኣርሓቕካዮም፤ ብኣኣቶምውን ርኹስ ገበርካኒ፤ ሓዙኒ፤ መውፅኢውን የብለይን።
9
ኣዒንተይ ብመከራ ፈዘዛ፤ ኦ ጐይታ፥ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኵሉ መዓልቲ እውን ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ።
10
ብሓቂዶ ንምዉታት ተኣምራት ትገብር ኢኻ? ዝሞቱኸ ተሲኦምዶ የመስግኑኻ እዮም?
11
ኣብ ውሽጢ መቓብር ምሕረትካ፥ ኣብ ቦታ ጥፍኣትከ ሓቅነትካዶ ይንገር እዩ?
12
ተኣምራትካ ኣብ ፀልማት ይፍለጥ ድዩ? ፅድቅኻኸ ኣብ ምድሪ ተረሲዑ ድዩ?
13
ጐይታይ ኣነ ግና፥ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ፀሎተይ ኣንጊሃ ናባኻ ትብፃሕ።
14
ጐይታ፥ ስለ ምንታይ ንነፍሰይ ትድርብያ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ኻባይ ትኽውል?
15
ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥ ፅጉምን ንሞት ዝቐረብኩን እየ፤ ልዕል ልዕል ምስ በልኩ ግና ተዋረድኩ፤ ተንዓቕኩውን።
16
መቕሰፍትኻ ኣብ ልዕለይ ሓለፈ፤ ግርማኻውን ኣደንገፀኒ፤
17
ኵሉ መዓልቲ ኸም ማይ ከበቡኒ፤ ሓቢሮምውን ሓዙኒ።
18
ንፈተውተይን ንብፆተይን፥ ካባይ ኣርሓቕካዮም፤ ነዝማደይውን ካብ መከራ ዝተልዓለ ኻባይ ኣርሓቕካ።
← Chapter 87
Chapter 89 →