bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Psalms 14
Psalms 14
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሰነፍ ብልቡ “እግዚኣብሄር የለን” ይብል፤ ብስራሖም ረኸሱን ተበላሸዉን፤ ሰናይ ዝገብር ሓደ እኳ የለን።
2
ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ለባም ሰብ እንተሊዩ ኽርኢ ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3
ኵላቶም ዓመፁ፤ ሓቢሮምውን ረኸሱ፤ ሰናይ ዝገብር ሰብ የለን፤ ሓደ እኳ የለን። ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖምውን ይሽፍጡ። ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ፤ ኣፎም መርገምን መሪርን ዝተመልአ እዩ።
4
ኣእጋሮም ደም ንምፍሳስ ቅልጡፋት እየን፤ ኣብ መንገዶም ሓሳርን ጥፍኣትን ኣሎ፤ ንመንገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን እዮም፤ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር የለን። እዞም ንህዝበይ ከም እንጀራ ዝበልዑ? ኵሎም እቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ብሓቂ ኣይፈልጡን ድዮም? ንእግዚኣብሄርውን ኣይፅውዕዎን።
5
ኣብኡ ብዓብዪ ፍርሓት የመና ፈርሑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ትውልዲ ፃድቃን እዩ እሞ።
6
ንስኻትኩም ንምኽሪ ድኻታት ኣሕፈርኩም፤ ግና ተስፋኦም እግዚኣብሄር እዩ።
7
ኣብ ፅዮን ንእስራኤል መድሓኒት መን ይህብ! እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ደስ ይብሎ፤ እስራኤልውን ይሕጐስ።
← Chapter 13
Chapter 15 →