bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 23
Leviticus 23
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
2
ንህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ዝተቐደሰ ጉባኤ ኢልኩም እትእውጁለን በዓላተይ እዚኣተን እየን፦
3
ሽዱሽተ መዓልቲ ስራሕ ይሰራሕ፤ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ጉባኤ ዝፅውዑላ ሰንበት፥ ዕረፍቲ እያ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እትነብርዎ ስፍራ ብመዓልቲ ሰንበት ኣይትስርሑ፤ ሰንበት ናተይ ናይ እግዚኣብሄር እያ።
4
እተን ኣብ ምዱብ ጊዜያተን ንህዝቢ እስራኤል እትእውጁወን በዓላተይ እዚኣተን እየን።
5
ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ኸዓ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ክመሲ እንተሎ፥ ፋሲካይ ፋሲካ እግዚኣብሄር እዩ።
6
በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናተይ ናይ እግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሸውዓተ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ብልዑ።
7
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕውን ኣይትስርሑ።
8
ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ። በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ከዓ ኣይትስርሑ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
10
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣተኹም፥ ዓፂድ ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ካብቲ ቐዳማይ ዓፂድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምፅኡ።
11
ኣነ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽቕበለኩም ከዓ፥ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድመይ እናወዝወዘ የቕርባ።
12
በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ፥ ጡበት በጊዕ ሰውኡ።
13
ምስኡ ድማ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ካብቲ መስፈሪ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ዝኾነ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭ ብሓዊ ዝቃፀል ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ዝጨናኡ ምስኡ ድማ ንቝርባን ወይኒ ርብዒ ብመስፈሪ ኢን ኣቕርቡ።
14
ንኣምላኽኩም ቍርባን ክሳዕ እተቕርቡሉ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይ እንጀራ ኾነ ዝተጠበሰ ሸዊት፥ ለምለም ሸዊትውን ኣይትብልዑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ሃገር ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ሕጊ ይኹንኩም።
15
ካብታ ዝውዝወዝ እንዳእቲ ዘምፃእኹምላ መዓልቲ ንደሓር፥ ካብ ፅባሕ እታ ሰንበት ሸውዓተ ሻዕ ሸውዓተ ምሉኣት ሰሙናት ቍፀሩ።
16
ክሳዕ ፅባሕ እታ ሻውዐይቲ ሰንበት ድማ ሓምሳ መዓልቲ ቝፀሩ፤ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ ቍርባን እኽሊ ኣቕርቡ።
17
ካብቲ እትገብርዎ፥ እናወዝወዝካ ዝቐርብ መስዋእቲ ብኽልተ ኺሎ ግራም ልሑም ሕሩጭ በዂዑ ዝተሰንከተ ኽልተ ሕብስቲ ንእግዚኣብሄር በዅራት ኣምፅኡ።
18
ምስቲ ሕብስቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ዓመት ዝገበሩ ሸውዓተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ሓደ ዝራብዕ፥ ክልተ ማጓሉ ኣቕርቡ፤ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ይኹኑ። ምስቲ ናይ እኽሊ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከዓ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብል ጥዑም ጨና ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ይኹኑ።
19
ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ድማ ሓደ ዲበላ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸዓ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ ጡበታት ኣባጊዕ ሰውኡ።
20
እቲ ኻህን ድማ ንኣኣቶም ምስቲ ሕብስቲ በዅራትን ምስ ክልቲኦም ጡበታት ኣባጊዕን ገይሩ እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ፥ ብፅሒት ነቲ ኻህን ድማ ይኹኑ።
21
በታ መዓልቲ እቲኣ ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ። እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።
22
ዓፂድ ምድሪኹም ክትዓፅዱ እንተለኹም፥ ክሳዕ ወሰን ግራትኩም ኣይትዕፀዱ፤ ንቐሪም እቲ ዕፁድኩም እውን ኣይትእረይዎ፤ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደግዎ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
23
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
24
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ዕረፍቲ ይኹነልኩም። ብቓና መለኸት ጌርኩም ቅዱስ ጉባኤ ግበሩ።
25
ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኣቕርቡ።
26
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
27
ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ። ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ዝኾነ ነገር ድማ ኣይትብልዑ። ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኡ።
28
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት እያ እሞ፥ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።
29
በታ መዓልቲ እቲኣ ንባዕሉ ዘየዋርድ ሰብ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
30
በታ መዓልቲ እቲኣ ዝኾነ ስራሕ ዝሰርሕ ሰብ፥ ካብ ማእኸል ህዝቡ ኸጥፍኦ እየ።
31
ዝኾነ ይኹን ስራሕ ኣይትስርሑ፤ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ፥ ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ።
32
እዛ መዓልቲ እዚኣ ፍፁም ዕረፍቲ ትኹነልኩም፤ ብንስሃ ንርእስኹም ኣዋርዱ። ካብ ምሸት ናይታ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ክሳዕ ምሸት ናይታ ዓስረይቲ መዓልቲ ፍፁም ዕረፍቲ ግበሩ።
33
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦
34
ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ንእግዚኣብሄር በዓል ዳስ ይኸውን፤ እዙይውን ንሸውዓተ መዓልቲ ይፀንሕ።
35
ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹን፤ ዝኾነ ስራሕ ድማ ኣይትስርሑ።
36
ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ብሻምነይቲ መዓልቲ ቅዱስ ጉባኤ ይኹነልኩም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። መዓልቲ ጉባኤ እዩ እሞ ዝኾነ ስራሕ ኣይትስርሑ።
37
ቅዱስ ጉባኤታት እትእውጁለን፥ ዕለታት እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ዝቃፀል መስዋእትን ቍርባን እኽልን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እዚኣተን እየን።
38
እዞም በዓላት እዚኣቶም፥ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር እትህብዎ ውህብቶኹም፥ ብዘይ ኵሉ መብፅዓኹም፥ ብዘይ እቶም ብፍቓድኩም እተቕርብዎም ተወሰኽቲ እዮም።
39
ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣከብኩም፥ ሸውዓተ መዓልቲ፥ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። እታ ቐዳመይቲ መዓልትን እታ ሻምነይቲ መዓልትን፥ መዓልቲታት ዕረፍቲ ይኹና።
40
በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለፀ ፍረ ኦምን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ቈፃል ኣእዋም ኲሓን ውሰዱ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ደስ ይበልኩም።
41
ነዝ በዓል እዙይ ኣብ ዓመት ሸውዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ።
42
ንደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎም፥ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኽፈልጡ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፤ ካብ እስራኤል ዝተወለዱ ዅሎም ኣብ ዳስ ይቀመጡ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
44
ከምዙይ ኢሉ ሙሴ፥ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓላት እግዚኣብሄር፥ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።
← Chapter 22
Chapter 24 →