bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Leviticus 22
Leviticus 22
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
2
ንኣሮንን ንደቁን፥ ነቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ከኽብርዎን፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ከዓ ኸየርክስዎን ንገሮም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
3
ከምዙይ ከዓ በሎም፦ ካብ ኵሉ ዘርእኹም፥ ዝኾነ ሰብ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ እንተሎ፥ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንኣይ ዘቕርቡለይ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ቅድመይ ተፈልዩ ይጥፋእ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
4
ካብ ደቂ ኣሮን ዝኾነ ሰብ ሕማም ለምፂ ዘለዎ፥ ወይ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ፥ ክሳዕ ዝነፅህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዝኾነ ነገር እንተ ነኽአ፥ ወይ ዘርኡ እንተ ፈሰሶ፥
5
ወይ ከርክሶ ዝኽእል ለመም ዝብል እንተ ነኽአ፥ ወይ ዝኾነ ርኽሰት ዘለዎ ሰብ እንተ ነኽአ ድማ ረኺሱ እዩ።
6
ንእኡ ዝነኽአ ሰብ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። ሰብነቱ ብማይ እንተይተሓፀበ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ።
7
ፀሓይ ምስ ዓረበት ግና ንፁህ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ።
8
ብእኡ ኸይረክስ፥ ዝበኸተን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
9
እቶም ካህናት ትእዛዛተይ ብምፍራስ ሓጢኣት ከይኾኖም፥ እንተ ኣርከስዎ ድማ ኸይሞቱስ፥ ትእዛዛተይ ይሓልዉ፤ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
10
ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ፥ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፤ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ኣገልጋሊኡ ኻብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።
11
እቲ ኻህን ብገንዘቡ ዓዲጉ ባርያ እንተ ኣጥረየ፥ ወይ ኣብ ገዛኡ ዝተወልደ ባርያ እንተ ሃልይዎ፥ እዚኣቶም ካብቲ ብፅሒቱ ይብልዑ።
12
ጓል ካህን ድማ ኻብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ እንተ ተመርዐወት፥ ካብቲ ብፅሒት ካህናት ዝኾነ ቕዱስ መስዋእቲ ኣይትብላዕ።
13
ጓል ካህን መበለት ወይ ፍትሕቲ እንተ ኾይና፥ ውሉድውን እንተ ዘይብላ፥ ተመሊሳ ድማ ኸምቲ ብጓላ ዝነበረቶ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኣ እንተ ተቐሚጣ፥ ካብ እንጀራ ኣቦኣ ትብላዕ። ካብ ዓሌት ካህናት ዘይኮነ ግና ኻብኡ ኣይብላዕ።
14
ዝኾነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ዝተቐደሰ እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኢድ ወሲኹ ነቲ ዝተቐደሰ ንኻህን ይሃቦ።
15
ነቲ ህዝቢ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ዘምፅእዎ ዝተቐደሰ፥ እቶም ካህናት ንዘይግብኦም ሰባት ክበልዕዎ ብምፍቃድ ኣየርክስዎ፤ በዙይ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝበልዑ መቕፃዕቲ ዘስዕብ በደል ከየምፅኡ፥ ነቲ መስዋእቲ ቅዱስ ዝገብሮ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
17
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
18
ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ ዝኾነ እስራኤላዊ ወይ ኣብ እስራኤል ዝነብር ጓና መስዋእቱ ኸቕርብ እንተሎ፥ መስዋእቲ መብፅዓ ኾነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር ንዝቃፀል መስዋእቲ ዘቕርብ፥
19
ምእንቲ ቕቡል ክኾነሉ፥ ካብ ኣብዑር ኮነ ኻብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የቕርብ።
20
ዝኾነ ጐደሎ ዘለዎ ግና ቕቡል ኣይኾነልኩምን እዩ እሞ ኣይተቕርብዎ።
21
ዝኾነ ሰብ ድማ ንምፍፃም መብፅዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ ከፍቲ ኾነ ወይ ካብ ጤለ በጊዕ፥ ከቕርብ እንተሎ ቕቡል ምእንቲ ክኾነሉ ጐደሎ ዘይብሉ ይኹን።
22
ዕዉር፥ ወይ ስቡር፥ ወይ ቍሩፅ፥ ወይ ቍሱል፥ ወይ ዓባቕ፥ ወይ ሻሕራም ወይ ዙዕታ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ ኻብዚኣቶም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ።
23
ብዕራይ ወይ በጊዕ ትርፊ ኣካል እንተ ሃልይዎ፥ ንመስዋእቲ ፍቓድ ግበሮ፤ ንመስዋእቲ መብፅዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ።
24
ብምጭፍላቕ፥ ወይ ብምቕጥቃጥ፥ ወይ ብምምላሕ፥ ወይ ብምቝራፅ ዝተመከተ እንስሳ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፤ ኣብ ሃገርኩም ከምዙይ ዝበለ ኣይትሰውኡሉ።
25
ከምዚኣቶም ዝበሉ እንስሳት ካብ ጓና ተቐቢልኩም ንኣምላኽኩም ከም መስዋእቲ ኣይተቕርቡ። ጕዱኣትን ጐደሎ ዘለዎምን ስለ ዝኾኑ ቕቡላት ኣይኾኑልኩምን እዮም እሞ።
26
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
27
ብተይ፥ ወይ ሌማ፥ ወይ ማሕስእ ምስ ተወለደ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ እኖኡ ይፅናሕ፤ ካብ ሻምነይቲ መዓልቲ ንደሓር ግና ንእግዚኣብሄር ንዝቐርብ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ቕቡል እዩ።
28
ላሕሚ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ፤
29
መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ክትስውኡ እንተለኹም ተቐባልነት ከም ዝረክብ ጌርኩም ሰውኡለይ።
30
በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፤ ካብኣ ሓደ እኳ ኽሳዕ ንፅባሒቱ ኣይትሕደጉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
31
ትእዛዛተይ ሓልዉ፤ ግበርዎውን፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
32
ኣብ ማእኸል ህዝቢ እስራኤል ምእንቲ ኽቕደስስ፥ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ፤ ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
33
ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን ካብ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
← Chapter 21
Chapter 23 →