bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 16
John 16
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“እዙይ ዝነገርኩኹም ከይትዕንቀፉ ኢለ እየ።
2
ካብ ቤተ ፀሎቶም ከውፅኡኹም እዮም፤ እኳ ደኣ እቲ ዝቐትለኩም፥ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሎት ከም ዝፈፀመ ዝመስሎ ጊዜ ኽመፅእ እዩ።
3
እዝ ዅሉ ዝገብሩኹም፥ ነቦይ ኮነ ንኣይ፥ ስለ ዘይፈለጡ እዮም።
4
እዝ ነገራት እዙይ ዝነገርኩኹም፥ ጊዜኡ ምስ በፅሐ፥ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም፥ ምእንቲ ኽትዝክርዎ ኢለ እየ፤ ካብ መጀመርታ እዙይ ዘይነገርኩኹም፥ ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ።
5
“ሕዚ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ፥ ናብ ኣብ፥ እኸይድ ኣለኹ፤ ካባኻትኩም ሓደኳ ‘ናበይ ኢኻ ትኸይድ?’ ኢሉ ዝጥይቐኒ የለን።
6
እዙይ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፥ ኣብ ልብኹም ሓዘን መልአ።
7
እንተ ኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ፥ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ፥ እቲ መፀናንዒ ናባኻትኩም ኣይመፅእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና፥ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።
8
ንሱ ምስ መፀ ኸዓ፥ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን፥ ብዛዕባ ፅድቅን፥ ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።
9
ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ እዩ።
10
ብዛዕባ ፅድቂ ድማ፥ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ፥ ደጊም ስለ ዘይትሪኡኒ እዩ።
11
ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።
12
“ገና ብዙሕ ነገር ዝነግረኩም ኣለኒ፤ እንተ ኾነ፥ ሕዚ ኽትፆርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
13
እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፥ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመፅእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
14
ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዝገልፀልኩም፥ ንኣይ ከኽብረኒ እዩ።
15
እቲ ዅሉ ናይ ኣብ ዝኾነ ናተይ እዩ፤ ስለዙይ እየ ኻባይ ወሲዱ፥ ክነግረኩም እዩ ዝበልኩኹም።
16
“ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ድማ፥ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም።”
17
ሽዑ ገሊኣቶም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንስንሳቶም “እዝ ‘ናብ ኣብ ክኸይድ እየ እሞ፥ ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ዝብለና ዘሎስ እንታይ እዩ?” ተበሃሃሉ።
18
ስለዙይ ንሳቶም “እዝ ንቑሩብ ጊዜ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ እዩ? እዝ ዝዛረቦ ዘሎ ኣይተረድአናን” ተበሃሃሉ።
19
ኢየሱስ ከዓ ኽጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ “‘ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትሪኡኒ ኢኹም’ ስለ ዝበልኩኹምዶ፥ ንስንሳትኩም ትጠያየቑ ኣለኹም?” በሎም።
20
ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትሓዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ሓዘንኩም፥ ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።
21
ሰበይቲ ኽትወልድ እንተላ፥ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበፅሓ ትጭነቕ፥ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፥ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ ዝተወለደ፥ ትሕጐስ፤ ነቲ ጭንቃውን ኣይትዝክሮን እያ።
22
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።
23
በታ እዋን እቲኣ፥ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
24
ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
25
“እዝ ዅሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም፤ ካብ ብሕዚ ግና፥ ብምስላ ዘይነግረኩም ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ብዛዕባ ኣብ፥ ብግልፂ ኽነግረኩም እምበር።
26
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፤ ኣነ ንኣብ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን።
27
ንስኻትኩም ኣነ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኹ፥ ስለ ዝኣመንኩምን ስለ ዘፍቀርኩምንን፥ ኣብ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩ እሞ።
28
ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።”
29
እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “እንሆ ሕዚ ብምስላ ዘይኮነስ፥ ብገሃድ ትዛረብ ኣለኻ።
30
ንስኻ ዅሉ ኸም እትፈልጥ፥ ሓደኳ ኽጥይቐካ ኸም ዘየድልየካ ሕዚ ፈሊጥና፤ በዙይ ድማ ኻብ እግዚኣብሄር ከም ዝመፃእኻ ኣሚንና ኣለና” በልዎ።
31
ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሕዚዶ ኣሚንኩም?
32
እንሆ ዅልኻትኩም፥ ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ፥ ንበይነይውን እትሓድጉላ ሰዓት ትመፅእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መፂኣ፤ ግና ኣብ፥ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን።
33
በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
← Chapter 15
Chapter 17 →