bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
John 15
John 15
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኣነ፥ ናይ ብሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ።
2
ነቲ ዅሉ ኣባይ ዘሎ፥ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና፥ ብዙሕ ምእንቲ ኽፈሪ የፅርዮ።
3
ንስኻትኩም፥ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፥ ድሮ ንፁሃት ኢኹም።
4
ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይነይሩ፥ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል፥ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይኔርኩም፥ ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን።
5
እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር፥ ኣነውን ኣብኡ ዝነብር፥ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ፥ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
6
ኵሉ ኣባይ ዘይነብር፥ ከም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርቢዩ ይነቅፅ፤ ኣኪቦም ድማ፥ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።
7
ኣባይ ትነብሩ እንተ ዄንኩም፥ ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ኵሉ እትደልይዎ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
8
ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፥ ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
9
“ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ፥ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኣለኹ፤ ብፍቕረይ ንበሩ።
10
ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ፥ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ፥ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሊኹም፥ ኣብ ፍቕረይ ፀኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
11
ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር፥ ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።
12
ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፥ ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።
13
ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ኻብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።
14
ንስኻትኩምውን፥ ኵሉ ዝኣዘዝኩኹም እንተ ፈፂምኩም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም።
15
ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
16
ኣነ እየ ዝሓረኹኹም እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ፥ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን፥ እቲ ዅሉ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ።
17
ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ፥ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
18
“ዓለም እንተ ፀልአኩም፥ ኣቐዲሙ ንኣይ ከም ዝፀልአኒ ፍለጡ።
19
ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተ እትኾኑስ፥ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩ እሞ፥ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ኻብ ዓለም ሓረኹኹም እምበር፥ ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ዓለም ይፀልአኩም ኣሎ።
20
‘ኣገልጋሊ፥ ካብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ’ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ፤ ንኣይ እንተ ኣሳጒጎምኒ ንኣኻትኩምውን ከሳጕጉኹም እዮም፤ ቃለይ እንተ ሓልዮም፥ ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም።
21
እንተ ኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፥ ምእንቲ ስመይ፥ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሌኹም ክፍፅምዎ እዮም።
22
ኣነ መፂአ እንተ ዘይነግሮምስ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንሓጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።
23
እቲ ንኣይ ዝፀልእ፥ ነቦይውን ይፀልእ።
24
ኣብ ማእኸሎም፥ ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ፥ ሓጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ሪኦምስ፥ ንኣይን ነቦይን ፀልኡና።
25
እዙይ ግና እቲ ኣብ ሕጎም ‘ብዘይ ምኽንያት ፀልኡኒ’ ዝብል ተፅሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኽፍፀም እዩ ዝኾነ።
26
እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።
27
ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ መሰኻኽረይ ኢኹም።
← Chapter 14
Chapter 16 →