bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 27
Job 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮብ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2
“ነቲ ንነፍሰይ ዘምረራ፥ ንፍርደይውን ዘግደፈኒ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ህያው እዩ።
3
እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፥ መንፈስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፥
4
ከናፍረይ ከቶ ኽፍኣት ኣይዛረባን፤ ልሳነይውን ጥበራ ኣይተውፅእን።
5
ንኣኻትኩም ምፅዳቕ ካባይ ይርሓቕ፤ ክሳዕ ዝመውት ድማ ፍፁምነተይ ካባይ ኣየርሕቕን።
6
ፅድቀይ ኣፅኒዐ ኽሕሉ እየ፤ ፈፂመውን ኣይሓድጎን እየ፤ ኣብተን መዓልትታተይ ስለ ሓንቲኳ ልበይ ኣይነቕፈንን።
7
ፀላእየይ ከም ሓጥእ፥ ዝቃወመኒውን ኸም በዳሊ ይኹን።
8
እግዚኣብሄር ምስ ኣጥፍኦን ንነፍሱ ምስ ፈለያን፥ ተስፋ ግብዝ እንታይ እዩ?
9
ብሓቂ፥ መከራ ምስ መፆኸ፥ እግዚኣብሄር ኣውያቱ ይሰምዕ ድዩ?
10
ኵሉ ብዝኽእል ኣምላኽከ ይሕጐስ ድዩ? ኵልሻዕኸ ንእግዚኣብሄር ይፅውዕ ድዩ?”
11
“ብዛዕባ ኢድ እግዚኣብሄር ኣነ ኽምህረኩም እየ፤ ሓሳባት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ከዓ ኣነ ኣይሓብአኩምን እየ።
12
እንሆ ዅልኻትኩም ርኢኹምዎ ኢኹም፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኸንቱ ኾንኩም?”
13
“ኣምላኽ ነቲ ሓጥእ ዝህቦ ዕድል፥ እቲ ግፍዐኛ ኻብቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ርስቲ እዙይ እዩ፦
14
ደቁ እንተ በዝሑ፥ ኣደዳ ሰይፊ ክኾኑ እዮም፤ ዘርኡውን እንጀራ ኣይፀግቡን።
15
እቶም ዝተረፉ ደቁ ኸዓ ብፌራ ይሞቱ፤ መበለታቶምውን ኣይበኽያሎምን።
16
ንብሩር ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፥ ንኽዳውንቱውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፥
17
ንሱ ይድልብ፤ ግና ፃድቕ እዩ ዝኽደኖ፤ ነቲ ብሩርውን እቶም ንፁሃት ይማቐልዎ።
18
ከም ዓለባ ሳሬት ብቕልጡፍ ቤቱ ይሰርሕ፤ ከም ጐጆ ሓላዋይ ድማ እያ።
19
ብሃብታሙ እንተሎ ይድቅስ፤ ምስኡ ድማ ዝኾነ ነገር ኣይማላእን፤ ዓይኑ ቛሕ የብል፤ ንሱውን የለን።
20
ድንጋፀ ኸም ውሕጅ ኮይኑ የርክቦ፤ ንፋስ ኣውሎ ድማ ብለይቲ ይምንጥሎ።
21
ንፋስ ምብራቕ መንዚዑ ይወስዶ፤ ካብ ቦታኡውን ይነቕሎ፤
22
እግዚኣብሄር ብዘይ ምሕረት ይድርብዮ፤ ንሱ ኻብ ኢዱ ቐልጢፉ ኸምልጥ ይደሊ።
23
ኵሉ ሰብ ብኢዱ የጣቕዐሉ፤ እናፋፀዩ ኸዓ ኻብ ቦታኡ የውፅእዎ።”
← Chapter 26
Chapter 28 →