bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Job 26
Job 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
ሓይሊ ንዘይብሉ ኸመይ ረዳእኻዮ! ነቲ ፅንዓት ዝሰኣነ ቕልፅምውን ከመይ ኣድሓንካዮ!
3
ጥበብ ንዘይብሉውን ከመይ መኸርካዮ! ክንደይ ብዙሕ ፍልጠትከ ገለፅካሉ!
4
ነዝ ቓል እዙይ ብመን ሓገዝ ተናገርካዮ? ናይ መን መንፈስከ ኻባኻ ወፀ?
5
“ምዉታን ሰባት ኣብ ትሕቲ ማያት፥ ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብ ውሽጢ ማያት ዝነብሩ ኾይኖም የንቀጥቅጡ።
6
ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ እዩ፤ ንጥፍኣትውን መጋረዲ የብሉን።
7
ንሰሜን ኣብ ባዶ ስፍራ ይዝርግሖ፤ ንምድሪ እውን ኣብ ትሕቲኣ ሓደኳ ዘይብላ የንጠልጥላ።
8
ንማያት ኣብ ደመና ይቛፅሮ፤ እቲ ደመናውን ብታሕቲ ኣይተቐደደን።
9
ገፅ ዙፋኑ ይኸድን፤ ደመናውን ይዝርግሐሉ።
10
ክሳዕ እቲ ብርሃንን ፀልማትን ዝፈላለዩላ፥ ኣብ ቅድሚ ማያት ወሰን ገበረ።
11
ኣዕማድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፤ ካብ ተግሳፁ ዝተልዓለውን ይድንግፁ።
12
ብሓይሉ ንባሕሪ የህድኣ፤ ብምስትውዓልውን ንረዓብ ይወቕዖ።
13
ብመንፈሱ ሰማያት ፅባቐ ረኸቡ፤ ኢዱውን ነቲ በራሪ ገበል ወግኦ።
14
እንሆ እዙይ ናይ መንገዱ ወሰን ጥራሕ እዩ፤ እቲ ዝሰማዕናዮ ነገር ክንደይ ውሑድ እዩ፤ ነቲ ሓይሊ ነጐድጓዱኸ መን ከስተውዕሎ ይኽእል?”
← Chapter 25
Chapter 27 →