bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 32
Jeremiah 32
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓስራይ ዓመቱ፥ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ መበል ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመቱ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
2
በቲ ጊዜ እቱይ ሰራዊት ንጉስ ባቢሎን ንኢየሩሳሌም ከቢቦምዋ ነበሩ፤ ነቢይ ኤርሚያስውን ኣብቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሩ ነበረ።
3
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።
4
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸዓ፥ ብርግፅ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ክወሃብ እዩ። ገፅ ንገፅ ከዘራርቦ፥ በዒንቱውን ክሪኦ እዩ እምበር ካብ ኢድ ባቢሎናውያን ኣየምልጥን።
5
ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
6
ኤርሚያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ በለ፦
7
“እንሆ፥ ኣናምኤል ወዲ ሳሉም፥ ሓው ኣቦኻ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራተይ ‘መሰል ምቢዛው ዘለካ ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ዓድጋ’ ኽብለካ ናባኻ ኽመፅእ እዩ።”
8
ኣናምኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ናብቲ ገበላ ቤት ማእሰርቲ መፂኡ “ክትቢዘዋ መሰል ርስቲ ዘለካ ንስኻ ኢኻሞ፥ ነታ ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዘላ ግራተይ ዓድጋ” በለኒ። እዙይውን ቃል እግዚኣብሄር ምዃኑ ፈለጥኩ።
9
ነታ ኣብ ኣናቶት ዘላ ግራት ከዓ ኻብ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይ ዓደግክዋ፤ ዋጋኣውን ዓሰርተ ሸውዓተ ቕርሺ ብሩር መዚነ ሃብክዎ።
10
ነቲ ውዕሊ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፈ ፊርማይ ኣንበርኩ፤ ምስክር ፀዊዐ ድማ ነቲ ቕርሺ ብሩር ብሚዛን መዘንኩሉ።
11
ነተን ውዕሊ ዝተፅሓፈን፥ ነታ ሕትምትን ነታ ቕልዕትን ወሲደ፥
12
ኣብ ቅድሚ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መፅሓፍ ውዕሊ ዝተፅሓፉ መሰኻኽርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ገበላ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን፥ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕሴያ ሃብክዎ።
13
ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከዓ ንባሮክ ከምዙይ ዝብል ትእዛዝ ሃብክዎ፦
14
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ‘ነዘን ውዕሊ ዝተፅሓፈን ከም ሕግን ውዕልን ዝተሓትመን ቅሉዕን ወሲድካ፥ ብዙሕ ዓመታት ከይተበላሸዋ ምእንቲ ኽፀንሓ ኣብ ውሽጢ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’
15
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፥ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክዕድጉ እዮም’ ይብል ኣሎ።”
16
እታ ውዕሊ መሸጣ ዝሓዘት መፅሓፍ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ምስ ሃብክዎ ኸዓ፥ ከምዙይ ኢለ ናብ እግዚኣብሄር ፀለኹ፦
17
“ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እንሆ፥ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በታ እተዘርግሐት ቅልፅምካን፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የለን።
18
ንስኻ ነእላፋት ምሕረት እትገብር፥ ግና ብበደል ኣቦታት ድማ ንውሉዶም እትቐፅዕ ኣምላኽ ኢኻ። ንስኻ ዓቢይን ሓያልን ኣምላኽ ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
19
ንስኻ ብምኽርኻ ዓብዪ፥ ብግብርኻ ብርቱዕ ኢኻ፤ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መንገዶምን፥ ከከም ግብሮምን ምእንቲ ኽትህቦም ከዓ፥ ኣዒንትኻ ኣብ ኵለን መንገድታት ደቂ ኣዳም ክፉታት እየን።
20
ንስኻ ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ዘደንቕ ነገራትን ገበርካ፤ ከምኡውን ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ህዝብን ክሳዕ ሎሚ እናገበርካ፥ እንሆ ኸዓ በዙይ ስምካ ኣፀዋዕኻ።
21
ንህዝብኻ እስራኤል፥ ብምልክትን ብዘደንቕን፥ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐ ቕልፅምን ብዘርዕድ ግርማን ካብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኻዮም።
22
ነታ ነቦታቶም ክትህቦም ዝመሓልካሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከዓ ሃብካዮም።
23
ንሳቶም ድማ ኣትዮም ሓዝዋ፤ ግና ቓልካ ኣይሰምዑን ብሕግኻውን ኣይተመላለሱን። ነቲ ዅሉ ኽገብርዎ ዝኣዘዝካዮም ኣይገበርዎን፤ ስለዙይ ከዓ እዝ ዅሉ መዓት እዙይ ኣውረድካሎም።
24
“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።
25
ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።”
26
ሽዑ ኸምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
27
“እንሆ ኣነ እግዚኣብሄር፥ ናይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ደቂ ሰብ ኣምላኽ እየ፤ ንኣይ ዘይከኣለኒ ነገርዶ ኣሎ እዩ?
28
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ።
29
እቶም ነዛ ኸተማ እዚኣ ዝወግኡ ከለዳውያን ከዓ፥ ክመፁን ነታ ኸተማውን ከባርዕዋን እዮም፤ ከቘጥዑኒ ኢሎም ኣብ ሰገነት፥ ምስተን ንጣዖት በዓል ዝዓጠኑለን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ መስዋእቲ መስተ ዘፍሰሱለን ኣባይቲ ኸቃፅልዋ እዮም።
30
ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ካብ ንእስነቶም ጀሚሮም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ዝኾነ ጥራሕ ገበሩ እምበር፥ ሓደ ነገር ኣይሰርሑን፤ ብሓቂውን ህዝቢ እስራኤል ብስራሕ ኢዶም ኣቘጥዑኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
31
እዛ ኸተማ እዚኣ ኻብቲ ዝተመስረተትሉ መዓልቲ ጀሚራ ኽሳዕ ሎሚ ቍጥዓይን ናህረይን ኣለዓዓለትለይ፥ ስለዙይ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ከርሕቓ ወሰንኩ።
32
እቲ ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን፥ ሰብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ ብዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣት ኣቘጥዑኒ።
33
ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሃቡኒ፤ መላሊሰ እኳ እንተ መሃርክዎም፥ ኣይሰምዑንን ተግሳፅውን ኣይተቐበሉን።
34
ነታ ብስመይ ዝተፀውዐት ቤት ምእንቲ ኸርክስዋ ርኽሰቶም ኣብኣ ኣንበሩ።
35
ኣወዳትን ኣጓላትን ደቆም ንሞሎኽ ምእንቲ ኽስውኡ፥ ኣብ ለሰ ወዲ ሄኖም፥ ንበዓል መስገዲ ዀረብታታት ሰርሑ። ንይሁዳ ናብ ሓጢኣት ከእትዉ፥ ከምዙይ ዝበለ ርኽሰት ክፍፅሙ፥ ኣነ ኣይኣዘዝኩን ፈፂመውን ኣይሓሰብኩን።”
36
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፦ “ንስኻ፥ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ፌራን፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፋ ኽትወሃብ እያ’ ስለ ዝበልካያ ስለ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፤
37
እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ።
38
ሽዑ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
39
ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ።
40
ንኣኣቶም ሰናይ ካብ ምግባር ድሕር ከይብል፥ ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣትወሎም፥ ካባይ ከይርሕቑ ኸዓ፥ ፍርሓተይ ኣብ ውሽጢ ልቦም ከሕድር እየ።
41
ንኣኣቶም ሰናይ ብምግባረይ እሕጐስ፤ ብምሉእ ልበይን ብምሉእ ነፍሰይን፥ ብሓቂ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኽተኽሎም እየ።
42
“ከምቲ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ እዝ ዅሉ ጥፍኣት ዘውረድኩሎም፥ ከምኡ ድማ እቲ ዅሉ ዘተስፎኽዎም ሰናይ ከውርደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
43
ኣብታ ንስኻትኩም ሰብን እንስሳን ዘይነብሩላ ንባቢሎናውያን ዝተውሃበት፥ ባዶ ዝበልኩምዋ ሃገር ኣብኣ ገራሁ ኽዕድጉ እዮም።
44
ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 31
Chapter 33 →