bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 31
Jeremiah 31
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በቲ ዘመን እቱይ ንዅሎም ነገድ እስራኤል ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም።
2
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቲ ኻብ ሰይፊ ዘምለጠ ህዝቢ፥ ኣብ ምድረ በዳ ሞገስ ረኸበ። ንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ ኣለኹ።
3
እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ ተገለፀለይ፤ ከምዙይውን በለኒ፤ ብዘለኣለማዊ ፍቕሪ ፈትየኪ ኣለኹ፤ ስለዙይ ድማ ብርህራሀ ሰሓብኩኺ።
4
ኦ ድንግል እስራኤል፥ መሊሰ ኽሃንፀኪ እየ፤ ንስኺውን ክትህነፂ ኢኺ፤ ከም ብሓድሽ እውን ከበሮኺ ኣልዒልኪ ምስቶም ደረፍቲ ኽትወፂ ኢኺ።
5
መሊስኪ ኣብ እምባታት ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሊ ኢኺ። እቶም ተኸልቲ ኽተኽልዎ እዮም፤ ብፍረኡውን ደስ ክብሎም እዩ።
6
እቶም ኣብ እምባታት ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውቲ “ንዑናይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ፅዮን ንደይብ” ኢሎም ዝፅውዑላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ።
7
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለ ያእቆብ ብደስታ ዘምሩ፤ ስለ እቲ ሓለቓ ኣህዛብ ዕልል በሉ፤ ዓው ኢልኩም ምስጋናኹም ኣስምዑ፤ እግዚኣብሄር፥ ንተረፍ ህዝብኻ እስራኤል ኣድሕን” በሉ።
8
እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ከምፅኦም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ምስኣቶም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን፥ ቅልውላው ሕርሲ ዝተትሓዘትን ሓቢሮም፥ ዓብዪ ህዝቢ ኾይኖም ናብዙይ ክምለሱ እዮም።
9
እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።
10
ኣቱም ህዝብታት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ እቲ ንእስራኤል ዝበተነ ባዕሉ ኽእክቦ እዩ፤ ከምቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ዝሕሉ፥ ክሕልዎ እዩ ኢልኩም ኣውርዩለን።
11
እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተቤዚውዎ እዩ፤ ካብ ኢድ እቲ ኻብኡ ዝብርትዕ ከዓ፥ ኣድሒንዎ እዩ።
12
ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።
13
ሽዑ እታ ድንግል ብጐይላ ባህ ክብላ እዩ፤ ኣጓብዝን ኣረጋውያንንውን፥ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም፤ ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክልውጦ እየ፤ ከፀናንዖምውን እየ።
14
ንነፍሲ ኻህናት ብስብሒ ኸጥልሎ እየ፤ ህዝበይ ብበረኸተይ ክፀግብ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
15
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ኣርማቴም ድምፂ ዋይ ዋይታን፥ ድምፂ መሪር ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ የለዉን እሞ፤ ስለ ደቃ ምፅንናዕ ኣበየት።”
16
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድምፅኺ ኻብ ብኽያት፥ ኣዒንትኺውን ካብ ንብዓት ከልክሊ” ድኻምኪ ዓስቢ ኣለዎ እዩሞ፥ ደቅኺ ኻብ ምድሪ ፀላኢ ኽምለሱ እዮም።
17
ንዝመፅእ ጊዜ ተስፋ ኣለኪ፤ ደቅኺ ናብ ዓዶም ክምለሱ እዮም ይብል እግዚኣብሄር።
18
“ኤፍሬም ከዓ፥ ከም ዘይፀረየ ዝራብዕ ቀፃዕኻኒ፤ ኣነውን ተቐፃዕኹ፤ ‘ንስኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ኣምላኸይሞ ምለሰኒ፤ ኣነውን ክምለስ እየ።
19
ካባኻ ምስ ረሓቕኩ፥ ተናሳሕኹ፤ ምስ ተፈለጠኒ ኸዓ ምሕኹልተይ ወቓዕኹ፤ ፀርፊ ንእስነተይ ተሸኪመ እየሞ፥ ሓፈርኩ፤ ሓነኽኩውን’ ኢሉ፥ እንትበኪ ሰማዕኹ።”
20
“ብሓቂ ኤፍሬም ንኣይ ዝኸበረ ውሉድ ድዩ? ወይ ከዓ ዝተፈተወ ህፃን ድዩ? ኣንፃሩ ብዝተናገርኩ ቝፅሪ እዝክሮ ኣለኹ፤ ስለዙይ ኣምዑተይ ተሃወኸትሉ፤ ርህራሀውን እርህርሀሉ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
21
ንባዕልኺ ምልክት ጐደና ግበሪ፤ መንገዲ ዝሕብሩ ኣዕማድውን ትኸሊ፤ ልብኺውን ናብ እትኸድሉ መንገድን ጐዳናን ኣቕንዒ፤ ኣቲ ድንግል እስራኤል ተመለሲ፤ ናብ ከተማታትኪውን ተመለሲ።
22
ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትንከራተቲ? እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩሞ፤ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።”
23
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንምርኮኣቶም ምስ መለስኩሎም፥ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን፥ ‘ኣታ መሕደሪ ፅድቂ፥ ኣታ እምባ ቅድስና፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ!’ ዝብል ቃል፥ መሊሶም ክናገሩ እዮም።”
24
“ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኵሉ ሃገርን፥ ምስ ሓረስቶትን ምስቶም መጓሰ ሒዞም ዝዞሩን ዝነብሩን ሰባት ክርከቡ እዮም።
25
ንዝደኸመት ነፍሲ ኣርውየ ኣለኹሞ፥ ንዝሓዘነት ነፍሲ ድማ ኣፅጊበ ኣለኹሞ።
26
ድሕሪዙይ ተበራበርኩ፤ ጠመትኩውን፤ ድቃሰይውን ጥዑም ኮነለይ።”
27
“እንሆ፥ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ብዘርኢ ሰብን እንስሳን ዝዘርኡሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
28
ክኸውን ከዓ እዩ፥ ንምንቃሎምን ንምዕናዎምን ንምፍራሶምን ንምጥፋኦምን ንምስቓዮምን ከም ዝተጋህኹ፥ ከምኡ ድማ ንምህናፆምን ንምትካሎምን ክተግህ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
29
“በተን መዓልቲታት እቲኣተን ሰባት መሊሶም፥ ‘ኣቦታት መፂፅ ፍረ ወይኒ በልዑ፤ ኣስናን እቶም ውሉድውን ከኸወ’ ኣይብሉን።”
30
“እኳ ደኣ ነፍሲ ወከፍ ብገዛ ሓጢኣቱ ይመውት፤ ኵሉ መፂፅ ፍረ ወይኒ ዝበልዕ፥ ንናይ ባዕሉ ስኒ ይኸኽዎ።”
31
እንሆ፥ “ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን፥ ሓድሽ ቃል ኪዳን ዝኣትወሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
32
ከምቲ ኻብ ሃገር ግብፂ፥ ኣእዳዎም ሒዘ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣይኮነን። ኣነ ጐይታኦም እንተለኹስ፥ ንሳቶም ነቲ ኪዳነይ ኣፍረስዎ፤ ኣነውን ሸለል በልክዎም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
33
ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
34
ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
35
እታ ፀሓይ ብመዓልቲ ኽተብርህ፥ ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ብለይቲ ኸብርሁ ዝሓገገ፥ እቲ ንባሕሪ እውን ማዕበሉ ኽሃምም ዘናውፅ፥ ስሙ ጐይታ ሰራዊት ዝኾነ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል፦
36
“እዝ ሕግጋት እዙይ ካብ ቅድመይ እንተ ተስዒሩ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሽዑ ዘርኢ እስራኤል ንሓዋሩ፥ ኣብ ቅድመይ ህዝቢ ኻብ ምዃን ክጠፍእ እዩ።
37
ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሰማያት ምልካዕ፥ ኣብ ታሕቲ ዘለዉ መሰረት ምድሪ፥ ምምርማር እንተ ተኽኢሉ፥ ሽዑ ኣነውን ብሰንኪ እቲ ዅሉ ዝገበርዎ ሓጢኣት፥ ንዅሎም ዘርኢ እስራኤል ክድርብዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
38
“እንሆ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ ካብ ግንቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን፥ ንእግዚኣብሄር እትሕነፀለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
39
እቲ መዐቀኒ ገመድ ከዓ፥ ክሳዕ ኰረብታ ጋሬብ ቀጥ ኢሉ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ናብ ጐዓም ኣቢሉውን ክምለስ እዩ።
40
ኵሉ ሬሳታት ዝቕበሩሉን ሓሙዅሽቲ ዝጓሓፈሉ ለሰን፥ ኵሉ እቲ ገራሁ ኽሳዕ ሩባ ቄድሮንን፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኽሳዕ እቲ መኣዝን ደገ ኣፍራስን፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ክኸውን እዩ። እታ ኸተማ ንሓዋሩ ኸቶ ኣይትንቀልን ኣይትፈርስንውን እያ።”
← Chapter 30
Chapter 32 →