bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 26
Jeremiah 26
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ብመጀመርታ ዘመን መንግስቲ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፀ፤
2
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።
3
ምናልባሽ ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ኣነውን እቲ ብሰንኪ ኽፉእ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝሃቀንክዎ መዓት ከህድእ እየ።”
4
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፦ “በቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕገይ ክትመላለሱ እንተ ዘይሰማዕኹምኒ፥
5
ንቓላት እቶም እንተየቋረፅኩ መላሊሰ ናባኻትኩም ዝለኣኽኩልኩም፥ ኣገልገልተይ ነቢያት እንተ ዘይሰማዕኹም፥
6
ኣነ ነዛ ቤት እዚኣ ኸም ሴሎ ኽገብራ እየ፤ ነዛ ኸተማ እዚኣውን ንዅላቶም ህዝብታት ምድሪ ንመራገሚ ኽገብራ እየ።”
7
ካህናትን ነቢያትን ኵሉ ህዝብን ከዓ፥ ኤርሚያስ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነዝ ቃል እዙይ እንትዛረብ ሰምዑ።
8
ኤርሚያስ፥ እቲ ዅሉ፥ እግዚኣብሄር ንዅሉ ህዝቢ ኽነግሮም ኢሉ ዝኣዘዞ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ እቶም ካህናትን ነቢያትን ኵሉ እቲ ህዝብን ሓዝዎ እሞ፥ “ክትመውት ኢኻ!”
9
ስለ ምንታይ ኢኻ፤ “እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኸም ሴሎ ኽትከውን እያ፤ እዛ ኸተማ እዚኣ ድማ ዝነብረላ ዘይብላ ዑና ኽትከውን እያ” ኢልካ ብስም እግዚኣብሄር ዝተነበኻ? እናበሉ ንኤርሚያስ ከበብዎ።
10
ኣሕሉቕ ይሁዳ ኸዓ እዝ ነገር እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ ቤት ንጉስ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ፤ ኣብታ ሓዳስ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ተቐመጡ።
11
እቶም ካህናትን ነቢያትን ድማ ነቶም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እዝ ሰብኣይ እዙይ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ከምቲ በእዛንኩም ዝሰማዕኹምዎ፥ ተነብዩላ እዩ እሞ፥ ሞት ይግብኦ እዩ” ኢሎም ተዛረብዎም።
12
ኤርሚያስ ድማ ንዅሎም ኣሕሉቕን ንዅሉ እቲ ህዝብን “እቲ ብዛዕባ እዛ ቤት እዚኣን ብዛዕባ እዛ ኸተማ እዚኣን ዝሰማዕኹምዎ ዅሉ ቓል፥ ክንበዮ ዝለኣኸኒ እግዚኣብሄር እዩ።
13
እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።
14
ኣነ ግና እኒሀኹ ኣብ ኣእዳውኩም እየ፤ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየኩም ግበሩ።
15
እንተ ቐተልኩሙኒ ግና፥ ፍዳ ንፁህ ደም ኣብ ርእስኹምን፥ ኣብዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣብቶም ኣብኣ ዝነብሩን፥ ከም እተውርዱ ኣረጋጊፅኩም ፍለጡ። ንዅለን እዘን ቃላት እዚኣተን፥ ክነግረኩም ዝለኣኸኒ ባዕሉ እግዚኣብሄር እዩ” ኢለ ተዛረብክዎም።
16
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕን ኵሉ እቲ ህዝብን፥ ነቶም ካህናትን ነቢያትን “እዝ ሰብኣይ እዙይ፥ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዝተዛረበና እሞ፥ ሞት ኣይግብኦን እዩ” በልዎም።
17
ካብቶም ሽማግለታት እታ ሃገር ከዓ ተሲኦም፥ ንዅሉ እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎ፦
18
“ብዘመን ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ነቢይ ዝነበረ እቲ ሞሬታዊ ሚክያስ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ‘ፅዮን ከም ግራት ክትሕረስ እያ፤ ኢየሩሳሌምውን ኵምራ ፍርስራስ ክትከውን እያ፤ እቲ ዀረብታ ቤተ መቕደስውን ኰረብታ ዱር ክኸውን እዩ’ ኢሉ ንዅሉ ህዝቢ ይሁዳ ትንቢት ተናገረ።
19
“ግና ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ኵሎም ህዝቢ ይሁዳንዶ ቐቲሎምዎ እዮም? ሕዝቅያስ ንእግዚኣብሄር ፈሪሑዶ ኣይኮነን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለለ? እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኸውርዶ ሃቂንዎ ዝነበረ መዓት ሓደጎ፤ ንሕናውን ኣብ ነፍስና ዓብዪ መዓት መውረድና።”
20
ከምኡውን ትንቢት ዝተነበየ ኦርዮ ወዲ ሸማያ፥ በዓል ቅርያትየዓሪም ነበረ። ንሱ ኸዓ ኸም ኵለን ቃል ኤርሚያስ ገይሩ፥ ኣብ ከተማን ኣብዛ ምድሪ እዚኣን ትንቢት ተናገረ።
21
ንጉስ ኢዮኣቄምን ኵሎም ጀጋኑኡን ኵሎም ኣሕሉቕን ቃላት ኦርዮ ምስ ሰምዑ፥ እቲ ንጉስ ክቐትሎ ደለየ። ኦርዮ እዙይ ምስ ሰምዐ ፈርሐ፤ ሃዲሙ ኸዓ ናብ ግብፂ ኸደ።
22
ሽዑ ንጉስ ኢዮኣቄም ንኦርዮ ኸምፅእዎ ምስ ብዙሓት ሰባት ገይሩ ንኤልናታን ወዲ ኣክቦር፥ ናብ ግብፂ ለኣኾ።
23
ንሳቶም ድማ ንኦርዮ ኻብ ግብፂ ኣምፅእዎ፤ ናብ ንጉስ ኢዮኣቄም ከዓ ኣቕረብዎ። ንሱ ድማ ብሰይፊ ቐተሎ፤ ሬሳኡውን ኣብቲ ዝኾነ ሰብ ዝቕበረሉ ደርበዮ።
24
ግና ንህዝቢ ኣሕሊፎም ከይህብዎን ከይቐትልዎን ኢድ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ምስኡ ነበረት።
← Chapter 25
Chapter 27 →