bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 25
Jeremiah 25
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፤ ናቡከደነፆር ከዓ ኣብ ባቢሎን ምስ ነገሰ ኣብ ቀዳመይቲ ዓመቱ፤ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳ ዝምልከት ቃል፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
2
ነቢይ ኤርሚያስ ከዓ ንዅሎም ህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ከምዙይ ኢሉ ተናገረ፦
3
“ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ካብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ፥ ንዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መፀ፤ ኣነውን ኣንጊሀ ተሲአ ነገርኩኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምንን።
4
እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣገልገልቱ ነቢያት ኣንጊሁ ለኣኾም፤ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኹምዎን፤ ክትሰምዕዎ ኢልኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ኣየበልኩምን።
5
ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም።
6
ክተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም፥ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትከተሉ፤ ብስራሕ ኣእዳውኩም ድማ ኣይተቘጥዑኒ፤ ኣነውን ክፉእ ኣይገብረኩምን።
7
ግና ኣይሰማዕኹምንን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ብስራሕ ኣእዳውኩም ኣቘጣዕኹምኒ፤ ኣብ ልዕሌኹምውን ክፉእ ነገር ኣምፃእኹም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
8
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
9
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
10
ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ።
11
ኵላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኽትባድምን ክትዓኑን እያ፤ እዞም ህዝብታት እዚኣቶምውን ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎን ክግዝእዎ እዮም።
12
እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።
13
ነቲ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ዝተናገርክዎ ቓላትን፥ ነቲ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዝተፅሓፈን፥ ነቲ ኤርሚያስ ንዅሉ ህዝቢ ዝተናገሮ ትንቢትን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ከምፅኦ እየ።
14
ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።”
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ በለኒ፦ “እንካ፥ እዛ ወይኒ ቝጥዓይ ዝመልአት ፅዋዕ፥ ካብ ኢደይ ውሰድ፤ ንኵሎም ነቶም ኣነ ንኣኻ ዝልእኸካ ህዝብታት ኬድካ ኣስትዮም።
16
ካብኡ ምስ ሰተዩ፥ ሰንከልከል ክብሉን፥ ካብቲ ዝሰዶ ሰይፊ ዝተልዓለ ኽዓብዱን እዮም።”
17
ኣነ ድማ ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ተቐቢለ፥ ናብቶም ኵሎም እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ ህዝብታት ከድኩ፤ ከም ዝሰትይዎውን ገበርኩ።
18
ከምዝ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ምድረ በዳን መሰክሕን መላገፅን መራገምን ምእንቲ ክኾኑ፥ ንኢየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን ንኣሕሉቓን፥
19
ንፈርዖን ንጉስ ግብፅን ንሹማምንቱን ንመሳፍንቱን ንዅሉ ህዝቡን፥
20
ንዅሎም ሕውስዋስ ህዝብን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ዖፅን፥ ንዅሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ኣስቀሎናን ጋዛን ኣቃሮንን፥ ነቶም ኣብ ኣዛጦን ዝተረፉ ህዝብን፥
21
ንዅሎም ህዝቢ ኤዶምያስን ሞኣብን ኣሞንን፥
22
ንዅሎም ነገስታት ጢሮስን ነገስታት ሲዶናን፥ ነቶም ኣብ ዙርያ ገማግም ማእኸላይ ባሕሪ ዝነብሩ ነገስታትን፥
23
ንኸተማታት ዴዳን ቴማን ቡዝን፥ ነቶም ፀጕሮም ወሰና ወሰን ዝላፅዩ ዅሎምን፥
24
ንዅሎም ነገስታት ዓረብን፥ ንዅሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዝነብሩ ሕውስዋስ ህዝብታትን፥
25
ንዅሎም ነገስታት ዘምሪን፥ ንዅሎም ነገስታት ዔላምን ነገስታት ሜዶንን፥
26
ንዅሎም እቶም ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ዘለዉ ነገስታት ሰሜንን፥ ንዅሎም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ካብቲ ፅዋዕ ኣስተኽዎም። ድሕሪ እዚኣቶም ከዓ ንጉስ ሼሻክ ካብኡ ኽሰቲ እዩ።
27
ንስኻውን ከምዙይ ኢልካ ንገሮም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስተዩ፤ ስኸሩ፤ ትፍኡ፤ መሊስኩም ኣይትተስኡ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ኣብ ማእኸልኩም ዝሰዶ ሰይፊ ውደቑ።
28
ነታ ፅዋዕ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩ፥ ምስታይውን እንተ ኣበዩ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ‘ብግዲ ኽትሰትዩ ኢኹም’ ይብል ኣሎ በሎም።
29
እንሆ፥ በታ ብስመይ እተፀውዐት ከተማ ምቕፃዕ እጅምር ኣለኹ፤ እሞኸ ብዘይ ቅፅዓትዶ ተምልጡ ኢኹም? ንዅሎም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሰይፊ ኽሰደሎም እየ እሞ፥ እንተይተቐፃዕኹም ኣይትተርፉን ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
30
“ኵሉ እዝ ቓል ትንቢት ተናገሮም፤ ከምዙይውን በሎም፦ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኸንጐድጕድ፥ ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኸዓ ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ኣብ ልዕሊ መጓሰኡ ብሓይሊ ኸንጐድጕድ፥ ነቶም ኵላቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ዓው ኢሉ ድምፁ ኸስምዖም እዩ።
31
እግዚኣብሄር ምስ ኣህዛብ ክርክር ኣለዎሞ፥ ዓብዪ ድምፂ ኽሳዕ ምድሪ ኽጋዋሕ እዩ፤ ምስ ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ክፋረድ እዩ፤ ንኽፉኣት ከዓ ንሰይፊ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
32
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኽሓልፍ፥ ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ኻብ ወሰን ምድሪ ኽለዓል እዩ።”
33
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እቶም እግዚኣብሄር ዝቐተሎም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዛሕ ክብሉ እዮም። ዝበኽየሎም ኣይህሉን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ዛሕ ክብሉ እዮም ኣይእከቡን፤ ኣይቕበሩንውን።
34
እትሕረዱለን መዓልቲታት በፂሐን እየን፤ ከም ክቡር ኣቕሓ ሻኽላ ወዲቕኩም ክትሰባበሩ ኢኹም እሞ፥ ኣቱም ጓሶት ዋይ! ዋይ! በሉን ኣእውዩን፤ ኣቱም መራሕቲ መጓሰውን ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።
35
እቶም ጓሶት ምህዳም ኣይኽእሉን፤ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣየምልጡን እዮም።
36
እግዚኣብሄር ነቲ ዝጓሰየሉ ምድሪ የጥፍኦ ኣሎሞ፥ ዋይ ዋይታ ጓሶትን፥ ኣውያት መራሕቲ መጓሰን ይስማዕ ኣሎ።
37
ካብ ናህሪ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ እታ መሕደሪ ሰላም ባደመት።
38
ካብ ጭካነ ሰይፍን ካብ ናህሪ ቝጥዓኡን ዝተልዓለ፥ ሃገሮም ባዲማ እያሞ፤ ከም ኣንበሳ ነታ መሕደሪኡ ሓደጋ።
← Chapter 24
Chapter 26 →