bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 12
Jeremiah 12
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ምሳኻ ብዝማጐተሉ ጊዜ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ምስ ናይ እዙይውን፥ ስለ ፍርዲ ምሳኻ ኽናገር እደሊ ኣለኹ፥ መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ?
2
ንስኻ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፤ ዓበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ዅልሻዕ ኣብ ኣፎም ኣለኻ፤ ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ።
3
ኦ እግዚኣብሄር ንኣይ ግና፥ ትፈልጠኒ፥ ትሪአኒ፥ ብዛዕባኻ ዘለኒ ሓሳብውን ንስኻ ትምርምር ኢኻ። ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕ ኰብኵቦም፥ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፈሊኻ ኣዳልዎም።
4
ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”
5
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥ እንታይ ክትገብር ኢኻ?
6
እንሆ፥ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ፥ ጠሊሞሙኻ እዮም፤ ኣፎም መሊኦም ድማ፥ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለዉ፤ ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።”
7
“ቤተይ ሓዲገ ኣለኹ፤ ርስተይውን ሓዲገ ኣለኹ፤ ነታ ዝፈትዋ ንኣኣ፥ ኣብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።
8
ርስተይ ኣብ ዱር ከም ዘሎ ኣንበሳ ኾይናትኒ ኣላ፤ ኣብ ልዕለይ ድምፂ ተስምዕ ኣላ፤ ስለዙይውን ፀላእኽዋ።
9
ርስተይዶ ከም ዝንጕርጕር ኣሞራታት ኮይናትኒ፥ ኣሞራታትከ ኣብ ዙርያኣን፥ ኣብ ልዕሊኣንዶ ኾይኖም እዮም? ኪዱ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኣክቡዎም፤ ክበልዑውን ኣምፅእዎም።
10
ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣጥፍእዋ፤ ነታ ዕድሎት ርስተይውን ይረግፅዋ ኣለዉ፤ ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ።
11
ኣባደምዋ፤ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ፤ ብዛዕባኣ ብልቡ ዝግደስ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ ኸዓ፥ እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት።
12
ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥ ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።
13
ስርናይ ዘርኡ፤ እሾዅ ድማ ዓፀዱ፤ ብዙሕ ፀዓሩ፤ ጥቕሚ ግና ኣይረኸቡን፤ ካብ ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።”
14
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ።
15
ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።
16
ብበዓል ክምሕሉ ንህዝበይ ከም ዝመሃሩዎም ንሳቶም ድማ መንገዲ ህዝበይ ብትግሃት እንተ ተምሃሩ፥ ህያው እግዚኣብሄር ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ሽዑ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክምስረቱ እዮም።
17
እንተ ዘይሰምዑ ግና ኣነ ነቲ ህዝቢ እቱይ ፈፂመ ኽነቕሎ እየ፤ ከጥፍኦውን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።
← Chapter 11
Chapter 13 →