bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Jeremiah 11
Jeremiah 11
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ፦
2
“ንትሕዝቶ እዝ ኪዳን እዙይ ስማዕ። ንህዝቢ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ከዓ፥
3
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኵሉ ነቲ ኣብዝ ቓል ኪዳን እዙይ ዘሎ ትእዛዛት ዘይፍፅም ርጉም ይኹን።
4
ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።
5
ሽዑ ኸምዝ ሕዚ ኾይንዎ ዘሎ፥ ነታ ፀባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ከም ዝህቦም ነቦታቶም ኣተስፍየዮም ዝነበርኩ ኽፍፅሞ እየ” ኣነ ኸዓ “ኣሜን ጐይታይ” ኢለ መለስኩ።
6
ሽዑ እግዚኣብሄር “ናብ ከተማታት ይሁዳን፥ ናብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌምን ኪድ። ንትእዛዝ ኪዳነይ ክሰምዕዎን ክፍፅምዎን ኣውጀሎም።
7
ነቦታቶም ካብ ግብፂ ምስ ኣውፃእኽዎም፥ ክእዘዙኒ ኣበርቲዐ ኣጠንቀቕኩዎም፤ እወ፥ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኸየቋረፅኩ ኣጠንቀቕኩዎም።
8
ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም፥ ብትሪ ኽፉእ ልቦም ከዱ እምበር፥ ኣይሰምዑንን ኣይተኣዘዙንውን። ስለዙይ ከዓ ነቲ ኽገብርዎ ዝኣዘዝክዎም ስለ ዘይፈፀምዎ፥ ነዝ ኣብዝ ኪዳን እዙይ ተገሊፁ ዘሎ መቕፃዕቲ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ” በለኒ።
9
እግዚኣብሄር ድማ ኸምዙይ በለኒ፦ ኣብ መንጎ ህዝቢ ይሁዳን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ሻራ ተረኺቡ ኣሎ።
10
ንሳቶም ናብ ሓጢኣት እቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመለሱ። ንኸምልኹዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኪዳነይ ኣፍረስዎ።
11
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፤ ናባይ ከእውዩ እዮም፤ ኣነ ግና ኣይሰምዖምን እየ።
12
ሽዑ ህዝቢ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ዝነብሩ ናብቶም ዝዓጥኑሎም ኣማልኽቲ ኸይዶም ከእውዩ እዮም። ግና ብጊዜ መከራኦም ከቶ ኣየድሕንዎምን።
13
ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።
14
ንሱውን ንበዓል ምእንቲ ኽትዓጥኑሉ፥ መሰውኢ ጌርኩም ኢኹም፤ ንስኻስ ምእንቲ እዝ ህዝቢ እዙይ ኣይትለምን፤ ምእንትኣቶም ከዓ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን።
15
ፈታዊተይ ክፍኣት እናገበረትስ፥ ኣብ ገዛይ እንታይ ኣለዋ? መብፅዓን ዝተቐደሰ ስጋን፥ ቅፅዓትኪ ኸርሕቐልኪዶ ይኽእል? ወይ በዚኣቶም እተምልጢዶ ይመስለኪ?
16
እግዚኣብሄር “ፅቡቕ ፍረ ዘለዋ፥ ዝለምዐት ኦም ኣውሊዕ” ኢሉ ንስምኪ ፀውዖ፤ ብድምፂ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ሓዊ ኣንደደላ፤ ጨናፍራውን ተሰባበሩ።
17
ቤት እስራኤልን ቤት ያእቆብን፥ ንጣዖት ብምዕጣን ብዝገብርዎ ኽፍኣት ስለ ዘቘጥዑኒ፥ ንኣኺ ዝተኸለ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክፋእ ነገር ተናገረልኪ።
18
እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ፤ ኣነውን ፈለጥኩ፤ ስራሖምውን ገለፅካለይ።
19
ኣነ ግና ንማሕረዲ ኸም ዝዅብኰብ የዋህ ጡበት ነበርኩ፤ ንሳቶም “ስሙ ኸይዝከር፥ ነታ ኦም ምስ ፍሪኣ ንቝረፃ፤ ካብ ምድሪ ህያዋን ድማ ነጥፍኣያ፤ ድሕሪ ሕዚ እውን ስሙ ኣይዘከር” ኢሎም ከም ዘሻረዉለይ ኣይፈለጥኩን ነይረ።
20
ሽዑ “ኦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ቅኑዕ እትፈርድ፥ ልብን ኰላሊትን ከዓ እትምርምር፥ ነገረይ ኣባኻ ኣማዕቝብ ኣለኹ እሞ፥ ምፍዳይ ሕነኻ ኣብኣቶም ኣርእየኒ” በልኩ።
21
ህይወትካ ንምጥፋእ ንዝደልዩን፥ ብስም እግዚኣብሄርውን ትንቢት ኣይትናገር፥ እንተ ዘይኮይኑ ብኢድና ኽትሞት ኢኻ ንዝብሉኻ ሰብ ኣናቶት፥
22
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ክቐፅዖም እየ፤ ኣጓብዞም ብሰይፊ፥ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከዓ ብጥሜት ክሞቱ እዮም።
23
በታ ንሰብ ኣናቶት ዝቐፅዐላ ዓመት፥ ኣብኣቶም መዓት ከውርድ እየ እሞ፥ ካብኣቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።”
← Chapter 10
Chapter 12 →