bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
James 5
James 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕዚ ኸዓ፥ ኣቱም ሃብታማት ንዑ ስምዑ፤ በቲ ዝመፀኩም ዘሎ መከራ ዋይ! ዋይ! እናበልኩም ብኸዩ።
2
ሃብትኹም ተበላሸወ፤ ኽዳውንትኹምውን ብልዒ በልዖ።
3
ወርቅኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፤ እቲ ምምራቱ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሌኹም ምስክር እዩ፤ ንዳሕረዋይ ዘመን ሃብቲ ስለ ዝኣከብኩም ድማ፥ ንስጋኹም ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ።
4
እንሆ እቲ ንስኻትኩም ዝኸላእኽምዎም፥ ዓስቢ እቶም ገራሁኹም ዝዓፀዱ ሰራሕተኛታት የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓፃዶውን፥ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት በፂሑ ኣሎ።
5
ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን መቺዩኩምን፥ ንመዓልቲ ማሕረዲ ኸም ዘህጥር፥ ልብኹም ኣስቢሕኹም ኣለኹም።
6
ነቲ ኽከላኸል ዘይኽእል ፃድቕ ሰብውን፥ ፈረድኩምዎን ቀተልኩምዎን።
7
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ክሳዕ ምፅኣት ጐይታ ተዓገሱ። ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይፅበዮ፤ ነቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን ዝናብ ክሳዕ ዝረክብውን፥ ከም ዝዕገስ ረአዩ።
8
ንስኻትኩም ከዓ፥ ምፅኣት ጐይታ ስለ ዝቐረበ ተዓገሱ፤ ልብኹምውን ኣፅንዑ።
9
ኣሕዋተይ፥ ከይትፍረዱ፥ ኣብ ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ። እንሆ እቲ ፈራዲ፥ ኣብ በሪ ደው ኢሉ ኣሎ።
10
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ብዛዕባ ምቕባል መከራን ትዕግስትን፥ እቶም ብስም እግዚኣብሄር ዝተናገሩ ነቢያት፥ ኣርኣያ ይኹኑኹም።
11
እንሆ፥ ነቶም ክሳዕ መወዳእታ ዝተዓገሱ፥ ብፁኣን እዮም ንብሎም። ብዛዕባ ትዕግስቲ ኢዮብ ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ነቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ መወዳእታ ዝገበረሉውን ርኢኹም ኣለኹም። እግዚኣብሄር፥ ርህሩህን ምሕረት ዝመልኦን እዩ እሞ።
12
ኣብ ርእሲ እዙይ፥ ኣሕዋተይ፥ ኣይትምሓሉ። ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር ኣይትምሓሉ፤ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ከይትወድቁ ድማ፥ እቲ ቓልኩም፥ እወ እንተ ኾይኑ እወ፥ ኣይኮነን እንተ ኾይኑ ኣይኮነን፥ ይኹን።
13
ኣብ ማእኸልኩም መከራ ዝቕበል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ይፀሊ፤ ዝተሓጐሰ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ መዝሙር ምስጋና ይዘምር።
14
ኣብ ማእኸልኩም ዝሓመመ እንተ ሃልዩ፥ ንሽማግለታት ይፀውዕ፤ ንሳቶም ከዓ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ዘይቲ እናቐብኡ ይፀልዩሉ።
15
እታ ናይ እምነት ፀሎት፥ ነቲ ሕሙም ክተሕውዮ እያ። ጐይታውን ከተስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ኾይኑውን፥ ክሕደገሉ እዩ።
16
እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።
17
ኤልያስ ከማና ሰብ እዩ፤ ዝናም ከይዘንም፥ ኣበርቲዑ ፀለየ፤ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከዓ፥ ኣብ ምድሪ ዝናም ኣይዘነመን።
18
ብድሕሪኡውን ዝናም ክዘንም ፀለየ፤ ሰማይ ከዓ ዝናም ሃበ፤ ምድሪ እውን ፍረኣ ሃበት።
19
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ረሓቐ፥ ሓደ ኸዓ እንተ መለሶ፥
20
እቲ ንሓጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፥ ንነፍሱ ድማ ኻብ ሞት ከም ዘድሓና፥ ብዙሕ ሓጢኣትውን ክሕደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ።
← Chapter 4