bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
James 4
James 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን፥ ካበይ ድዩ ዝመፅእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ፥ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኮነን?
2
ትምነዩ፥ ግና ኣይትረኽቡን፤ ስለዙይ ትቐትሉ፤ ክፉእ ትምነዩ፤ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይትኽእሉን፤ ሰለዙይ ትበኣሱን ትዋግኡን። ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን።
3
ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም፥ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ፥ ኣይትቕበሉን።
4
ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር፥ ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።
5
ወይ ከዓ እቲ፥ “እግዚኣብሄር ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ፥ ንእኡ ጥራሕ ክንከውን፥ ብቕንኢ ሃረር ይብል” ዝብል ቃል መፅሓፍዶ፥ ከንቱ ይመስለኩም?
6
“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።
7
እምበኣርከስ ንእግዚኣብሄር ተገዝእዎ፤ ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።
8
ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ሓሳብውን፥ ልብኹም ኣንፅሁ።
9
ሕዘኑን ጕሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፥ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ።
10
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።
11
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝፈርድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትፈርድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ፈራዲ እምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።
12
እቲ ኸድሕንን ከጥፍእን ዝኽእል፥ ሓጋጊ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ንስኻ ደኣ ኣብ ብፃይካ እትፈርድ፤ መን ኢኻ?
13
ንስኻትኩም፥ ኣቱም “ሎሚ ወይ ፅባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ፥ ክንከይድ ኢና፤ እናነገድና ምእንቲ ኽንርባሕ ከዓ፥ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና” እትብሉ ስምዑ።
14
ንስኻትኩም ነቲ ፅባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።
15
“ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፥ ብህይወት እንተ ሃሊና፥ ከምዙይ ወይ ከምቱይ ክንገብር ኢና” ኽትብሉ እዩ ዝግበአኩም።
16
ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ፥ ክፉእ እዩ።
17
እምበኣርከስ፥ እቲ ኽገብሮ ዝግብኦ ሰናይ ነገር ዝፈልጥ እሞ ዘይፍፅሞ፥ ንእኡ ሓጢኣት ይኾኖ እዩ።
← Chapter 3
Chapter 5 →