bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 65
Isaiah 65
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
“ንዘይጠየቑኒ ተገለፅኩ፤ ንዘይደለዩኒውን ተረኸብኩ፤ ብስመይ ንዘይተፀውዐ ህዝቢ ኸዓ ‘ኣለኹልካ፥ ኣለኹልካ’ በልክዎ።
2
ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።
3
እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ኵልሻዕ የቘጥዑኒ፤ ኣብ እንዳ ኣታኽልቲ ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከዓ፥ ዕጣን ይዓጥኑ።
4
ኣብ መቓብራት ይቕመጡ፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ይሓድሩ፤ ስጋ ሓሰማ ይበልዑ፤ ቍራዓቶም ብዝረኸሰ መረቕ ዝመልኡ እዮም።
5
ንሳቶም፥ ንባዕልኻ ቑም፤ ኣነ ኻባኻ ዝበለፀ ቅዱስ እየሞ፥ ናባይ ኣይትቕረብ ይብሉ፤ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፥ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም።
6
“እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድመይ ተፅሒፉ እዩ፤ ብዝገበርዎ ኽቐፅዖም እየ እምበር፥ ሸለል ኣይብሎምን እየ። ንበደሎም፥ ምስኡውን ንበደል ኣቦታቶም፥ ኣብ ሕቝፎም ክፈድዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
7
ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።”
8
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍረ ወይኒ ኣብ ዘለላኡ ኽርከብ እንተሎ ‘በረኸት ኣለዎ እሞ፥ ኣይተጥፍእዎ’ ኸም ዝበሃል፥ ኣነውን ምእንቲ እቶም ባሮተይ ኢለ፥ ከምኡ ኽገብር እየ።
9
ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም።
10
ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይ፥ ለሰ ሳሮን መውፈሪ ኣባጊዖም ክኸውን እዩ፤ ለሰ ኣኮር ድማ መዕየሚ ኸፍቲ ክኸውን እዩ።
11
“ንስኻትኩም ኣቱም ንኣይ ንእግዚኣብሄር እትሓድጉ፥ ንፅዮን ቅዱስ እምባይ ረሲዕኹም፥ ‘ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ ንዝተብሃለ ጣዖት ማእዲ እተቕርቡ፤ ‘ፅቡቕ ዕድል’ ንዝተብሃለ ጣዖት ድማ ወይኒ እትመልኡሉ ግና፥
12
ፀዊዐኩም ስለ ዘይመለስኩምለይ፥ ተዛሪበኩምውን ስለ ዘየድመፅኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ነቲ ዘሐጕሰኒ ኸዓ ስለ ዘይመረፅኩም፥ ንሰይፊ መዲበኩም ኣለኹ፤ ኵልኻትኩም ንመሕረዲ ኽትጕንበሱ ኢኹም።
13
ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም።
14
እንሆ፥ ባሮተይ ካብ ሓጐስ ልቢ ዝተልዓለ ዕልል ክብሉ፥ ንስኻትኩም ግና ኻብ ጓሂ ልቢ ዝተልዓለ ኽትግዕሩ፥ መንፈስኩም ስለ ዝተሰብረ ኸዓ፥ ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም።
15
ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።
16
እቲ ኣብ ምድሪ ዝተባረኸ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክባረኽ እዩ፤ እቲ ኣብ ምድሪ ዝምሕል፥ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክምሕል እዩ፤ እቲ ናይ ቀደም መከራ ተረሲዑ፥ ካብ ዓይነይውን ተሰዊሩ እዩሞ።”
17
“እንሆ፥ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየሞ፥ እቶም ቀዳሞት ኣይዝከሩን፤ ኣብ ልቢውን ኣይሕሰቡን እዮም።
18
እንሆ፥ ኢየሩሳሌም ንሓጐስ፥ ህዝባ ኸዓ ንደስታ ኽፈጥር እየሞ፥ በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ፤ ንዘለኣለምውን ደስ ይበልኩም።
19
ኣነ ድማ ብኢየሩሳሌም ክሕጐስ፥ ብህዝባውን ደስ ክብለኒ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኣብኣ ድምፂ ብኽያትን፥ ድምፂ ኣውያትን ኣይስማዕን እዩ።
20
ድሕሪዙይ ሓፂር ዝዕድሚኡ ህፃንን ዕድመ ዘይፀገበ ኣረጋዊን፥ ኣብኣተን ኣይርከብን እዩ። ጐበዝ ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ይመውት፤ እቲ ሓጢኣተኛውን ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ዝተረገመ ይኸውን።
21
ገዛውቲ ኽሰርሑ፥ ክነብሩለንውን እዮም፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽተኽሉ፥ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።
22
ዕድመ ህዝበይ፥ ከም ዕድመ ኦም ነዊሕ ክኸውን፥ ሕሩያተይ ድማ፥ ፃማ ግብሪ ኣእዳዎም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ካልኦት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ኣይሰርሑን፤ ካልኦት ፍረኡ ዝበልዕዎ ወይኒ ኸዓ፥ ኣይተኽሉን እዮም።
23
ንሳቶምን ደቆምን ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፥ ንኸንቱ ኣይፅዕሩን፥ ብድንገት ዝሞቱ ደቂውን ኣይወልዱን እዮም።
24
ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።
25
ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
← Chapter 64
Chapter 66 →