bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 64
Isaiah 64
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ንሰማያት ቀዲድካ እንተትወርድ! እምባታት ኣብ ቅድሜኻ መንቀጥቀጡ።
2
ስምካ ኣብ ፀላእትኻ ምእንቲ ኽፍለጥ፥ ከምቲ ሓዊ ንጭራሮ ዘንድዶ፥ ንማይውን ዘፍልሖ፥ ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ቐጥቀጥ ምእንቲ ኽብሉ፥
3
ዘይተፀበናዮ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፥ ወረድካ እሞ እምባታት ኣብ ቅድሜኻ ኣንቀጥቀጡ።
4
ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን።
5
ተሓጕሶም ፅድቂ ንዝገብሩን፥ ከም ፍቓድካ ንዝነብሩን፥ ብመንገድኻ ንዝሓስቡኻን፥ ትራኸቦም ኢኻ። ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ ንስኻ ድማ ተቘጣዕኻና፤ ኣብ ሓጢኣትናውን ነዊሕ ዘመን ነበርና፤ ከመይ ኢልና ደኣ ኽንድሕን ኢና?
6
ኵላትና ኸም ዝረኸሰ ሰብ ኰንና፤ ፅድቅናውን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ፤ ኵላትና ኸም ቈፅሊ ረገፍና፤ በደልናውን፥ ከም ንፋስ ፀራሪጉ ይወስደና ኣሎ።
7
ገፅካ ኸዊልካልና፥ ብሰንኪ ሓጢኣትና ኸዓ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፥ ስምካ ዝፅውዕን፥ ንኣኻ ኽሕዝ ዝትስእን፥ ሓደ እኳ የለን።
8
ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፤ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵልናውን ስራሕ ኢድካ ኢና።
9
ኦ እግዚኣብሄር፥ የመና ኣይትቈጣዕ፤ በደልውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። በይዛኻ ተመልከተና፤ እንሆ ዅልና ህዝብኻ ኢና።
10
ኵለን ቅዱሳት ከተማታትካ፥ ምድረ በዳ ኾና፤ ፅዮን ባደመት፤ ኢየሩሳሌምውን ዓነወት።
11
እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስግኑላ ዝነበሩ፥ ቅድስትን ክብርትን ቤትና፥ ብሓዊ ነደደት፤ ኵሉ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን በረሰ።
12
ኦ እግዚኣብሄር፥ እዝ ኵሉ ኾይኑ፥ ክትዕገስ ዲኻ? ብሓቂዶ ስቕ ክትብል ኢኻ? ብዘይ መጠንዶ ኽተጨንቐና ኢኻ?
← Chapter 63
Chapter 65 →