bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 62
Isaiah 62
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ፅድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፥ ምድሓና ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ፋና ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ስለ ፅዮን ስቕ ኣይብልን፤ ስለ ኢየሩሳሌምውን ኣየዕርፍን እየ።
2
ኣህዛብ ንፅድቅኺ፥ ኵሎም ነገስታት ከዓ፥ ንኽብርኺ ኽርእይዎ እዮም፤ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውፅኦ ሓድሽ ስም ድማ፥ ክትፅውዒ ኢኺ።
3
ብኢድ እግዚኣብሄር፥ ክቡር ኣኽሊል፥ ብኢድ ኣምላኽኪ ድማ፥ ዘውዲ ንጉስ ክትኮኒ ኢኺ።
4
ድሕሪዙይ “ሕድግቲ” ኣይትበሃሊን ኢኺ፤ ምድርኺ ኸዓ ድሕሪ ደጊም፥ ዑና ኣይትብሃልን እያ። እግዚኣብሄር ብኣኺ ደስ ኢልዎ እዩሞ፥ ምድርኺውን ሰብኣይ ክተእቱ እያሞ፥ ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ፤ ምድርኺውን ሰብኣይ ዘእተወት ክትበሃል እያ።
5
ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፥ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዐዉኺ እዮም፤ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።
6
ኦ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ ልዕሊ ቕፅርኺ፥ ሓለውቲ ኣቚመ ኣለኹ፤ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ ኣይትዕረፉ፤
7
እወ፥ ንኢየሩሳሌም ክሳዕ ዘፅንዓ፥ ኣብ ምድሪ እውን መመስገኒ ኽሳዕ ዝገብራ፥ ዕረፍቲ ኣይተሃብዎ።
8
እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን፥ ብሓያል ቅልፅሙን ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ድሕሪዙይ እኽልኺ ንፀላእትኺ፥ ምግቢ ክኾኖም ኣይህቦምን እየ፤ ነቲ ዝፀዓርክሉ ወይንኺውን፥ ጓኖት ኣይሰትይዎን እዮም።
9
ግና እቶም ዝኣከብዎ ኽበልዕዎ እዮም፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ ኸመስግንዎ እዮም። እቶም ዝኣከብዎውን፥ ኣብ ዓፀድ መቕደሰይ ኮይኖም ክሰትይዎ እዮም።”
10
ሕለፉ፤ ብደገታት ሕለፉ፤ ንህዝቢ መንገዲ ኣዳልዉ፤ ኣመዓራርዩ፤ መንገዲ ፅርጊያ ኣመዓራርዩሉ፤ ኣእማን ፅረጉ፤ ንኣህዛብውን ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም።
11
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንዅላ ምድሪ ይእውጅ ኣሎ፦ “ንጓል ፅዮን ‘እንሆ፥ ምድሓንኪ ይመፅእ ኣሎ፤ እንሆ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፤ ዓስቡ ድማ ቐቅድሚኡ ኣሎ’ በልዋ።”
12
ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ቅዱስ ህዝቢ” ተብሂሎም ክፅውዑ እዮም። ንስኺውን ተደላይትን ዘይትሕደግን ከተማ፥ ተብሂልኪ ኽትፅውዒ ኢኺ።
← Chapter 61
Chapter 63 →