bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 61
Isaiah 61
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ናይ ጐይታ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት፥ ንእሱራት ከዓ ምፍታሕ፥ ክእውጅ ለኣኸኒ።
2
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
3
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
4
ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንፁ፥ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኸቑሙ፥ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝፈረሳ ኸተማታት፥ ክሕድሱ እዮም።
5
ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሰታትኩም ክጓስዩ፥ መፃእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን፥ ተኸናኸንቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ክኾኑ እዮም።
6
ንስኻትኩም ግና “ካህናት እግዚኣብሄር” ተብሂልኩም፥ ክትስመዩ ኢኹም፤ ሰብ ከዓ “ኣገልገልቲ ኣምላኽና” ኽብለኩም እዩ፤ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ፥ ብኽብሮም ድማ ኽትከብሩ ኢኹም።
7
ክንዲ ነውርኹም፥ ካዕበት ክትቅበሉ፥ ክንዲ ፀርፍኹም፥ ብዕድልኩም ክትሕጐሱ ኢኹም። ስለዙይ ኣብ ሃገሮም ክልተ ዕፅፊ ኽገዝኡ፥ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኽረኽቡ እዮም።
8
“ኣነ እግዚኣብሄር ፍርዲ ዝፈቱ፥ ስርቅን በደልን ዝፀልእ እየ፤ ፍዳኦም ብሓቂ ኽፈድዮም፥ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ምስኣቶም ክገብር እየ።
9
ዘርኣቶም፥ ኣብ ኣህዛብ፥ ትውልዶም ከዓ፥ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ክኸውን እዩ፤ እቶም ዝርኢዎም ዅሎም፥ እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም፥ ክፈልጡ እዮም።”
10
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
11
ምድሪ በቝሊ ኸም እተብቍል፥ ገነትውን ዘርኡ ኸም ዘብቍል፥ ከምኡ ጐይታ እግዚኣብሄር ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ፅድቅን ምስጋናን ከብቍል እዩ።
← Chapter 60
Chapter 62 →