bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 6
Isaiah 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
በታ ንጉስ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።
2
ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነንሕድሕዶም ከዓ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፤ ብኽልተ ኽንፎም ገፆም ይሽፍኑ ነበሩ፤ ብኽልተ ኽንፎም ድማ ኣእጋሮም ይሽፍኑ፤ ብኽልተ ኽንፎምውን ይበሩ ነበሩ።
3
ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ።
4
ካብቲ ዓው ኢሎም ዘስምዕዎ ድምፂ ዝተልዓለ፥ መሰረት እቲ ልዳውቲ ተናወፀ፤ ነቲ ቤትውን ትኪ መልኦ።
5
ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።
6
ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፥ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጕጤት ሒዙ፥ ናባይ እናበረረ መፀ።
7
ብእኡ ኸዓ ኣፈይ ነኽአ እሞ “እንሆ፥ እዙይ ንኸናፍርካ ነኺእዎ እዩ፤ በደልካ ተወጊዱልካ፥ ሓጢኣትካውን ተሓዲጉልካ እዩ” በለኒ።
8
ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።
9
ንሱ ድማ “ኪድ እሞ ነዝ ህዝቢ እዙይ ‘ምስማዕስ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም።”
10
ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።
11
ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥
12
እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ እውን ፅምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሑ እዩ በለኒ።
13
ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”
← Chapter 5
Chapter 7 →