bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 5
Isaiah 5
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
ሕዚ ስለ ፈታዊየይን፥ ስለ ኣታኽልቲ ወይኑ ንፈታዊየይን፥ ቅኔ እቕነ ኣለኹ። ንፈታዊየይ ኣብ ልዕሊ ፍርያም ኰረብታ፥ ናይ ወይኒ ቦታ ነበሮ።
2
ኰዓቶ፤ ነእማኑ ኸዓ ኣርዩ ኣውፅኦ እሞ፥ ዝተመረፀ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፤ ኣብ ማእኸሉ ድማ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ መፅመቚ ወይኒ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዀዓተሉ። ወይኒ ኸፍሪውን ተፀበየ፤ ግና መፂፅ ፍረ ፈረየ።
3
“ሕዚ እውን ኣቱም ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ሰብ ይሁዳ፥ እስኪ ሕዚ ኣብ መንጎይን፥ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ።
4
ነታኽልቲ ወይነይ ካብዝ ዝገበርኩሉ ንላዕሊ፥ እንታይ ክግበረሉ ይግባእ ነይሩ? ጥዑም ወይኒ ኽፈሪ እዩ ኢለ እናተፀበኽዎስ፥ ስለ ምንታይ እዩ መፂፅ ፍረ ዝፈረየ?
5
“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።
6
ከባድሞ እየ፤ ኣይዅስኰስን ኣይቝረፅንውን እዩ። እሾዅን ኳዂቶን ከዓ ኽበቝሎ እዩ፤ ዝናም ከየዝንሙሉ ንደመናት ክእዝዞም እየ።”
7
ናይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣታኽልቲ ወይኒ፥ ቤት እስራኤል እዩ። እቶም ኣታኽልቲ ደስታኡ ድማ ህዝቢ ይሁዳ እዮም፤ ፍትሒ ተስፋ ይገብር ነበረ፤ ግና ምፍሳስ ደም ኮነ፤ ፅድቂ ተፀበየ፤ እንሆ ኸዓ ኣውያት ኮነ።
8
ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእኸል ሃገር ምእንቲ ኽትነብሩስ፥ ንኻልእ እናሰጐጕኩም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፥ ገዛ ምስ ገዛ ንዘተሓሕዙ፥ ግራትውን ምስ ግራት ንዘቀራርቡ ወይለኦም!
9
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብእዝነይ ከምዙይ በለኒ፦ “ብሓቂ ብዙሕ ዓበይትን ፅቡቕን ኣባይቲ ኽዓኑ እዩ፤ ዝነብረሉውን ኣይርከብን።
10
ዓሰርተ ፅምዲ ብዕራይ ካብ ዘውዕል ናይ ወይኒ ቦታ፥ ሓደ መስፈሪ ባዶስ ጥራሕ ፅማቝ ወይኒ ኽወፅእ እዩ። ሓደ መስፈሪ ቆሮስ ዘርኢ፥ ሓደ መስፈሪ ኢፍ ዝኣክል እኽሊ ጥራሕ ይህብ።”
11
እቶም ስኽራን ንምኽታል ኣንጊሆም ንዝትስኡ፥ ወይኒ ኽሳዕ ዘቃፅሎም ድማ ኽሳዕ ለይቲ ንዝድንጕዩ ወይለኦም!
12
ኣብ ድግሶም ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣሎ፤ ንግብሪ እግዚኣብሄር ግና ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ኢዱ ዝገበረቶውን ኣይተመልከትዎን።
13
ስለዙይ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማሪኹ ኸደ፤ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፥ እቶም ህዝቦም ድማ ብፅምኣት ይነቕፁ ኣለዉ።
14
ስለዙይ ሲኦል ከብዳ ኣስፍሐት፤ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ከፈተት፤ እቶም ክቡራቶምን ዓበይቶምን ሃብታማቶምን ሕጉሳቶምን ናብኣ ኽወርዱ እዮም።
15
ሰብ ክዓብር፥ ሰብ ድማ ኽዋረድ እዩ፤ ኣዒንቲ ዕቡያትውን ክዋረዳ እየን።
16
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ግና፥ ብፍትሒ ልዕል ልዕል ይብል፤ እቲ ቅዱስ ኣምላኽውን ብፅድቂ ይቕደስ።
17
ሽዑ ጡበታት ኣባጊዕ ኣብ ውሽጢ መውፈሪኦም ክጓሰዩ እዮም፤ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከዓ፥ ጓኖት ክበልዕዎ እዮም።
18
እቶም ንበደል ብገመድ ሓሰት፥ ንሓጢኣት ከዓ ብመእሰሪ ሰረገላ ናብኣቶም ንዝስሕብዎ፥
19
“ብዓይንና ኽንሪኦስ ይቐልጥፍ፤ ንተግባሩውን የቐልጥፎ፤ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ፤ ትምፃእውን” ንዝብሉ ወይለኦም!
20
እቶም ነቲ ኽፉእ ሰናይ፥ ንሰናይ ከዓ ኽፉእ ዝብሉ፥ ንፀልማት ብርሃን፥ ንብርሃን ድማ ፀልማት ዝገብርዎ፥ ንመሪር ጥዑም፥ ንጥዑምውን መሪር ዝገብርዎ፥ ወይለኦም!
21
እቶም ብዓይኖም ፈላጣት፥ ብርእሶምውን መስተውዓልቲ ዝኾኑ ወይለኦም!
22
እቶም ንምስታይ ወይኒ ሓያላት ዝኾኑ፥ ዘስክር መስተ ንምሕውዋስ ድማ ብርቱዓት ዝኾኑ፥
23
ጉቦ ተቐቢሎም ንበደለኛ ዘፅድቕዎ፥ ንፃድቕ ድማ ፅድቂ ዘግድፍዎ፥ ወይለኦም!
24
ንሕጊ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፥ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከዓ ኣቃሊሎምዎ እዮም እሞ፥ ከምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፥ ንቑፅ ሳዕሪ ኸዓ ብሃልሃልታ ሞዅ ዝብል፥ ሱሮም ዝበዅበዀ ክኸውን፥ በቚሎም ከዓ ኸም በነንታ ኽበንን እዩ።
25
ስለዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ነደደ፤ ኢዱ ኸዓ ኣብኣቶም ዘርጊሑ ወቕዖም፤ እምባታት ኣንቀጥቀጡ፤ ሬሳኣቶም ድማ፥ ከም ጐሓፍ ኣብ ማእኸል ኣደባባይ ኮነ። ምስ እዝ ዅሉ እዙይውን፥ ቍጥዓኡ ኣይተመለሰን፤ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
26
ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣህዛብ ድማ ምልክት ከቕውም እዩ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ብፋፃ ኽፅውዖም እዩ፤ እንሆ እናጐየዩ ተቐላጢፎም ክመፁ እዮም።
27
ኣብ ማእኸሎም ድኹምን ሰንከልከል ዝብልን የብሎምን፤ ሓደ እኳ ዝታኸስን ዝድቅስን ኣይህሉን፤ ቅናት ሕቘኦም ኣይፍታሕን፤ ስራኽ ኣሳእኖም ከዓ ኣይብተኽን እዩ።
28
ፍላፃታቶም በላሕቲ እየን፤ ኵሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፤ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት፥ መንኰራዅር ሰረገላታቶምውን ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ።
29
ድምፆም ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፤ ከም ሽደን ኣንበሳውን ይጓዝሙ፤ ግዳዮም ሒዞም ይጓዝሙ፤ ይወስድዎውን፤ ዘናግፍውን የለን።
30
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሞገድ ባሕሪ እናሃመሙ ኽመፁዎም እዮም። ናብ ምድሪ እንተ ተመልከቱ፥ እንሆ ፀልማትን መከራን ኣሎ፤ ብርሃንውን ኣብ ውሽጢ ደመናታት ይፅልምት።
← Chapter 4
Chapter 6 →