bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
/
Isaiah 56
Isaiah 56
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ) No Year
1
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምድሓነይ ቀሪቡ እዩ፤ ፅድቀይውን ቀልጢፉ ኽግለፅ እዩሞ፥
2
ፍትሒ ሓልዉ፤ ፅድቅውን ግበሩ። እቲ ነዙይ ዝገብር ሰብ ብእኡውን ዝፀንዕ፥ ከየርክስ ንሰንበት ዝሕሉ፥ ክፍኣት ከይገብር ኢዱ ዝሕሉ ሰብ፥ ብፁእ እዩ።”
3
ናብ እግዚኣብሄር ዝተፀግዐ መፃእተኛ “ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኽፈልየኒ እዩ” ኣይበል፤ እቲ ስሉብውን “ኣነ ንቑፅ ኦም እየ” ኣይበል።
4
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰናብተይ ንዝሕሉዉን፥ ንኣይ ዘሐጕስ ንዝመርፁን፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕልዉ ስሉባት፥
5
ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።”
6
“ንእኡ ንምግልጋል፥ ስም እግዚኣብሄር ብምፍታው፥ ባሮቱ ክኾኑ ኢሎም፥ ርእሶም ናብ እግዚኣብሄር ዘፀግዑ መፃእተኛታት፥ ንሰንበት ከየርከሱ ዝሕልዉ፥
7
ቃል ኪዳነይውን ንዝሕዙ ዅላቶም፥ ናብቲ ዝተቐደሰ እምባይ ከምፅኦም እየ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ፀሎተይውን ከሐጕሶም እየ፤ ዝቃፀል መስዋእቶምን ካልኦት መስዋእትታቶምን ኣብ መሰውእየይ እንተ ሰውኡ ኽቕበሎም እየ፤ ቤተይ ንዅሎም ህዝብታት ቤተ ፀሎት ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩሞ።”
8
እቲ ነቶም ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እስራኤል ዝኣኻኽብ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተኣከቡ ብተወሳኺ፥ መሊሰ ንኻልኦት ክእክብ እየ።”
9
“ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤
10
ሓለውቲ እስራኤል ዕውራት እዮም፤ ፍልጠት የብሎምን፤ ኵሎም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፤ ሕልሚ ይሓልሙ፤ ይጋደሙ ድቃስውን ይፈትዉ እዮም።
11
የመና ህሩፋት ኣኽላባት እዮም፤ ፀጊበ ኣይፈልጡን፤ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፤ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕረዋይ፥ ረብሓ ርእሱ ደለየ፤ ኵሎም ብናይ ባዕልቶም መንገዲ ኸዱ።
12
‘ንዑ ወይኒ ንውሰድ፤ ብዘስክር መስተውን ንርወ፤ ፅባሕውን ከምቲ ሎሚ ዝኾነ፥ ከምኡውን ፅባሕ ክኸውን እዩ፤ ፅባሕውን ዝሓሸ መዓልቲ ክኾነልና እዩ’ ” ይብሉ።
← Chapter 55
Chapter 57 →